ኮፍ ምባል ወይ ምግዳም

ኮፍ ኢልኪ ወይከኣ ተገዲምኪ ጸባ ጡብ ከተጥቡዊ ትኽእሊ ኢኺ።

ጸባ ጡብ ምጥባው ኣብነት 1: እታ ኣደ ኮፍ ኢላ እቲ ቆልዓ ድማ ብኣእዳዋ ሓቚፋቶ ኣላ።
ጸባ ጡብ ምጥባው ኣብነት 2: እታ ኣደ ኮፍ ኢላ እቲ ቆልዓ ኸኣ ኣብ ጎና ተገዲሙ ኣሎ።
ጸባ ጡብ ምጥባው ኣብነት 3: እታ ኣደን እቲ ቆልዓን ክልቲኦም ተገዲሞም ኣለዉ።

ጸባ ጡብ ከመይ ተጥቡዊ

ንቆልዓኺ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ጸባ ጡብ ኣጥቡዊ:

  • እቲ ቆልዓ ብኸብዱ ናብ ከብድኺ ኣጸግዕዮ
  • እቲ ቆልዓ ኣፍንጫኡ ኣብ መቑለመትኪ ከምዝበጽሕ ጌርኪ ሓዝዮ።
  • እቲ ቆልዓ ኣፉ ኸፊቱ ነቲ መቑለመት ይልሕሶ።
  • እቲ መቑለመትን ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ክቢ ዙርያ መቑለመትን ኣብ ኣፍ እቲ ቆልዓ ኣትዩ ኣሎ።
  • ናይቲ ቆልዓ ከናፍር ንደገ ተኸቢሶም ኣለዉ። እቲ ቆልዓ ይጦቢ ኣሎ።

ቆልዓኺ ከምዝጠመየ ዘርእዩ ምልክታት

ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን እናሻዑ ክምገብ ኣለዎ። እቲ ቆልዓ ክሓትት እንከሎ መግብዮ። ኣብተን ናይ መጀመርያ ክልተ ሰሙናት ካብ 8 - 12 ግዜ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክምገብ ንቡር እዩ። ድሕሪኡ ግን ዝምገበሉ በዝሒ ግዜ ቀስብቐስ አናጎደለ ይመጽእ። 

ቆልዓኺ እንተጠምዩዎ፣ ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት ከርእየኪ ይኽእል:

  • ኣእዳዉ የወሳውስ;
  • ኣፉን መልሓሱን የንቀሳቕስ;
  • ኣእዳዉ ይልሕስ ወይ ይጦቢ;
  • ይርብሽ;
  • ይበኪ። 

እቲ ቆልዓ ናብ ባዕልኺ ኣቕሪብክዮ እንተሊኺን ቆርበቱ ምስ ቆርበትኪ ተተናኺፉ እንተልዩን ናይቲ ቆልዓ ምልክታት ብኣግኡ ምፍላጥ ቀሊል እዩ። ገለ ቆልዑት መግቢ ከምዘድልዮም ክገልጹ ኣይኽእሉን፣ ስለዚ ኣብ ሕድሕድ ሰለስተ ሰዓት ኣተሲእኻ ክምገቡ ይግባእ። 

ጥዑያት ልምድታት ኣብ እዋን ምጥባው ጸባ ጡብ

ጸባ ጡብ ነቲ ቆልዓ ኣዝዩ ብሉጽ መግቢ እዩ። ገለ ክፋል እቲ ንስኺ እትምገብዮ፣ እትሰትዪዮ ወይድማ እትወስድዮ ነገራት በቲ ጸባ ጡብ ኣቢሉ ናብቲ ቆልዓ ከምዝሓልፍ ክትፈልጢ ኣለኪ። ስለዚ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብሪ ኣለኪ:

  • ምትካኽ ወይከኣ ካልኦት ናይ ትምባኾ ፍርያታት ምጥቃም ኣቋርጺ፣ ወይከኣ እንተወሓደ ኣብ መንጎ ጸባ ጡብ እተጥቡይሉን ሽጋራ/ትምባኾ እትጥቀምሉን ግዜ ዘሎ ክፍተት ነዊሕ ከምዝኸውን ግበሪ።  
  • እንተወሓደ ኣብተን ናይ መጀመርያ ሽድሽተ ሰሙናት ኣልኮል ኣይትጠቐሚ፣ ብድሕሪኡ ከኣ እትወስድዮ መጠን ነክዪ።
  • ካልኦት ዕጸፋርሳት ኣወግዲ። 
  • ኣፋውስ ቅድሚ ምጥቃምኪ ንፋርማሲስት፣ ንዶክተር ወይከኣ ን Tryggmammamedisin.no ኣማኽሪ። 
  • ኤችኣይቪ እንተልዩኪ፣ ንቆልዓኺ ጸባ ጡብ ከተጥቡዊዮ የብልኪን።

 ጡብ ከተጥቡዊ እንድሕር ዘይትኽእሊ ናይ ግድን ጡጦ ክትጥቀሚ ኣለኪ። ምስ ቆልዓኺ እትቀራረብሉ ካልእ መንገዲታት ኣሎ።