ድሕሪ ምውላድ ዘለዋ ናይ መጀመርያ ቁሩብ መዓልቲታት

ምስ ወለድኪ ቁሩብ ጽንሕ ኢልኪ: 

  • ናይቲ ቆልዓ ኣተነፋፍሳ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ናይ ጭዋዳ ውጥረት፣ ህርመት ልቢ ከምኡድማ ንመበጋገሲ ዝህቦ ምላሽ ይምርመር።
  • እቲ ቆልዓ ቪታሚን K ብመርፍእ ይወሃቦ። 
  • ሽዕኡ ቆልዓኺ ትሓቑፊ። ብኸብድኺ ተቐዲድኪ እንድሕር ወሊድኪ፣ ቁስሊኺ ክሳዕ ትሕከሚ መጻምድትኺ ነቲ ቆልዓ ይሕዞ።
  • ቆልዓኺ ጡብ ክደሊ እንተጀሚሩ፣ ንመጀመርያ ግዜ ጸባ ጡብ ከተጥቡውዮ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ቆልዓ ነቲ ጡብ ኣጸቢቑ ከምዝሓዞ ኣብ ምርግጋጽ እታ መሕረሲት ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ። 
  • እታ መሕረሲት ክብደት ናይቲ ቆልዓ ትመዝን፣ ቁመቱ ትዕቅኖ ከምኡድማ ዙርያ ስፍሓት ርእሱ ትልክዕ። ንሳ/ንሱ ነቲ ቆልዓ ከዲና ብኾበርታ ትጥቕልሎ። 
  • እቲ ቆልዓ ብግቡእ ጡብ ምጥባው ከምዝጅምር ንምግባር ብዙሕ ቆላሕታ ክግበር ኣለዎ። ንስኺን ቆልዓኹን ጽቡቕ ናይ ጡብ ኣጠባቡያ ሜላታት ንምልምማድ ግዜ የድልየኩም እዩ። እቲ ቆልዓ እናሻዑ ክምገብ ምድላዩ ንቡር እዩ። 

እተን ናይ መጀመርያ ቁሩብ መዓልቲታት:

  • እቲ ቆልዓ ካብ ዝውለድ ሓደ መዓልቲ ምስገበረ እቲ ናይ ህጻናት ሓኪም ክምርምሮ እዩ። ናይቲ ቆልዓ ልቢን ሳንቡእን፣ ሰውነት፣ ዓንዲ ሑቐ፣ ንመበጋገሲ ዝህቦ ምላሽ፣ ኣስላፍን ኣዒንቲን ይምርመሩ። 
  • ናይቲ ቆልዓ ናይ ምስማዕ ኩነታት እውን ይምርመር። 
  • እቲ ቆልዓ ናይ ገለ ሜታቦሊካዊ ሕማማት ምርመራ እውን ይግበረሉ። ቁሩብ ናይ ደም መርኣያ ክውሰደሉ እዩ። እዚ ካብ ሆስፒታል ቅድሚ ምውጻእኺ እንደዘይተሰሪሑ፣ እዚ ምርመራ ንምግባር ናብቲ ሆስፒታል ክትምለሲ ኢኺ። ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት መሕረሲት ናብ ገዛኺ መጽያ እዚ ምርመራ ትገብረልኪ።
  • እቲ ቆልዓ ክልተ ግዜ ወይ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ይምዘን: ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ መዓልቲታት፣ ካብኡ ድማ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ዓሰርተ መዓልቲ ሓደ ግዜ። 
  • ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእኪ ድሕሪ 3 መዓልቲ ናብ ገዛኺ መሕረሲት ይሰዱልኪ። 

ሓድሽ ዝተወልደ ቆልዓ ሓራቕ፣ ዘይእበድ ወይድማ ድኹም ክኸውን የብሉን። እዚኦም ናይ ሕማም ምልክታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ቆልዓኺ ሓሚሙ ይኸውን ኢልኪ እንድሕር ተጨኒቕኪ ምስቲ ሆስፒታል ተዘራረቢ። 

ኣብዘን ዝስዕባ ሰሙናት

  • ካብቲ ሆስፒታል ምስ ወጻእኺ መሕረሲት ከምኡድማ/ወይድማ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ናብ ገዛኺ ክበጽሑኺ እዮም። ዳሓር ድማ ኣብ ከባቢኺ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ክትረኽቢ ኢኺ። እቶም ዘተታት ዝተሰነዱሉ ንእሽቶ መጽሓፍ ክትወሃቢ ኢኺ።
  • እቲ ቆልዓ ኣብታ ዝተወልደላ ናይ መጀመርያ ሰሙን ዋላ ጽቡቕ እናተመገበ ክብደት ክንኪ ይኽእል እዩ። እቲ ቆልዓ ቁሩብ ክብደት ምንካዩ ጸገም የብሉን። ገለ ብናይ ጥዕና በዓል ሞያ ዝተረጋገጸ ሕክምናዊ ምኽንያት እንተዘይሃልዩ፣ እቲ ቆልዓ ካብ ጸባ ጡብ ወጻኢ ዋላሓንቲ ካልእ መግቢ ክትምግብዮ ወይ ዝስተ ነገር ከተስትዪዮ የብልኪን። 
  • ድሕሪ ኣስታት ሽዱሽተ ሰሙናት እቲ ቆልዓ ገለ ክታበታት ክወስድ እዩ። 

ሙሉእ ጥዕና ዘለዎ ቆልዓ ርጉእ መጠን ሙቐት ኣለዎ፣ ብስሩዕ ኣገባብ ይሸይንን ይሓርእን፣ መግቢ ከምዝደለየ ምልክታት ይህብ፣ ከምኡድማ ጡብኪ ወይከኣ ጡጦ ኣጸቢቑ ይመጥጥ። ቆልዓኺ ሓሚሙ እዩ ኢልኪ ወይከኣ እኹል መግቢ ኣይረክብን ዘሎ ኢልኪ እንድሕር ተጨኒቕኪ፣ ምስቲ ሆስፒታል ክትዘራረቢ ኣለኪ። ንሳቶም ኩሉግዜ እዮም ዝሰርሑ። 

ናይ ኣደን ህጻንን ማእከላት ጥዕና።

እቲ ናይ ኣደን ቆልዓን ማእከል ጥዕና ንጥኑሳት ኣንስቲ፣ ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 0 ከምኡድማ 5 ንዝኾኑ ህጻናትን ወለዶምን ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል እዩ። እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና መሕረሲት፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ፣ ዶክተርን ኣካላዊ ቴራፒስትን ዝሓዘ እዩ። እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ምስ ካልኦት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ኣገልግሎታትን ምስቲ ከባቢያዊ ሆስፒታልን ተሓባቢሩ ይሰርሕ። 

እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ንኹሎም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ህጻውንቲ ካብ ክፍሊት ናጻ ናይ ጥዕና ክንክን ይህብ። እቲ ኣገልግሎት ናይ ሕክምና ምርመራታት ይገብር፣ ክታበት ይህብ ከምኡድማ ንኹሎም ወለዲ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይህብ። እቲ ቆልዓ ኣብቲ ንስኺ እትነብርሉ ወይ ብግዝያዊነት እትጸንሕሉ ምምሕዳር ከተማ ናይ ሕክምና ምርመራ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ኣብ ኖርወይ ቀወምቲ ነበርቲ ዘይኮኑ ህጻውንቲ እውን ተመሳሳሊ መሰል ኣለዎም። 

ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት፣ እቲን መንግስታዊ ናይ ጥዕና ማእከላት ናይ ቕድመ ወሊድ ሕክምናን ናይ መሕረሲትን ኣገልግሎታት ይህባ። 

ብዛዕባ ኣብቲ እትጸንሕሉ ምምሕዳር ከተማ ዘለዋ መሕረስቲን መንግስታዊ ማእከላት ጥዕናን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ጥዕናን ክንክንን ኣገልግሎታት ተወከሲ ወይድማ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ መርበብ ሓበሬታ ረኣዪ።