ሰባት ብስጋዊ ርክብ ወይከኣ ብኻልኦት መንገዲታት ንብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም።
ብስጋዊ ርክብ ምትሕልላፍ
- ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምስ ዘለዎ ሰብ ብዘይ ኮንደም ብዝግበር ናይ ርሕሚ ስጋዊ ርክብ፣ ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ ወይ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ።
- ናይ ስጋዊ ርክብ ባምቡላታት ብዘይ ኮንደም ብሓባር ብምጥቃም። ንኣብነት: ዲልዶ፣ ቫይብሬተር።
- ኣብ ናይ ክልእ ሰብ ቆርበት ምስ ዝርከቡ ደቀቕቲ ሕበጣት (ሀርፐስ)፣ ቁስሊ (ፍንጣጣ) ወይድማ ናይ ርሕሚ ዕንፍሩራት ብዝግበር ምትንኻፋት።
ብኻልእ መንገዲታት ምትሕልላፍ
- ብወሲብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ዘለዋ ኣደ እቲ ረኽሲ ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ኣብ እዋን ሕርሲ ወይድማ ጸባ ጡብ ከተጡቢ እንከላ ናብቲ ዕሸል ከተሕልፈሉ ትኽእል እያ።
- በላሕቲ ነገራት ብሓባር ብምጥቃም።
- ናይ ስኒ ብሩሽ ብሓባር ብምጥቃም (ሄፓቲቲስ B)፣ ሽጎማነን ኣንሶላን ብሓባር ምጥቃም (ቁማል ሕፍረትን ዓበቕን)።
ንመጻምድትኺን ንዶክተርን ምንጋር
ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንተልዩካ ናብ ካልእ ሰብ ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕብኡ ንመጻምድትኻ/ኺ ክትዛረብ/ቢ ፈትን/ኒ ከምኡድማ ናብ ሓክም ክኸይድ/ክትከድ ኣተባብዕዮ/ዓያ።
ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ማዕዳ ርኸብ።