ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ግልጺ ዝኾነ ምክታት የብሎምን። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ከምዘለዉኻ ኩሉግዜ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣለኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ ናብ ሓኪም ኪድ። ንሱ/ንሳ ክምርምሩኺ ይኽእሉ እዮም

ምልክታት

ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተተራእዮምኻ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ክህልወካ ይኽእል እዩ። 

ናይ ርሕሚ ረኽሲታት

ብተወሳኺ ኣንስቲ ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናጻ እናሃለዋ እውን ገለ ካብዞም ምልክታት (ፈሳሲ፣ ርሕመን የሕኽኸን፣ ክሸና እንከለዋ የቃጽለን) ክረኣይወን ይኽእሉ እዮም። እዚኦም ናይ ርሕሚ ረኽሲታት ኮይኖም ብናይ ፈንገስ ረኽሲ (ካንዲዳ) ወይድማ ብናይ ባክተርያ ቫጂኖሲስ ዝመጹ እዮም። 

ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽሪ ሕተቲ።

ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላከለፉ ረኽሲታት ሕክምና

እቶም ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምልክታት ዋላ ካብቲ ረኽሲ ከይተናገፍኪ እንከለኺ ክጠፍኡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ሕክምናኺ ክቕጽል ኣለዎ። ዘይተሓከሙ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ንጥዕናኺ ከቢድ ሃስያ ከውርዱሉ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኦም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ እዮም ወይከኣ ምልክታቶም ይሕከሙ።

ናይ ጥዕና ሞያዊ ማዕዳ ሕተት።