ምልክታት
ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተተራእዮምኻ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ክህልወካ ይኽእል እዩ።
- ካብ መትረብ ሽንቲ፣ ርሕሚ ወይ መሃንቱስ ዝወጽእ ፈሳሲ (ብጫ፣ ቀጠልያ፣ ቡናዊ፣ ዝጨኑ ወይ ደም ዘለዎ)። መብዛሕትኡ ካብ ርሕሚ ዝወጽእ ፈሳሲ ጥዑይ እዩ። እቲ ፈሳሲ ሓያል ጨና እንተልዩዎ ወይከኣ ሕብሩ እንድሕር ቀይሩ፣ ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምልክት ክኸውን ይኽእል;
- ኣብ ቆርበት ዝረኣዩ ለውጢታት:ኣብ ዙርያ መትሎ፣ ርሕሚ፣ መሃንቱስ ወይ ኣፍ/ጎሮሮ ዝፍጠሩ ደቀቕቲ ሕበጣት፣ ዓበቕ፣ ቁስሊታት ወይከኣ ሽሕራት;
- ክትሸይን እንከለኻ ቃንዛ ከምኡድማ/ወይድማ ምቅጻል;
- ኣብ መትሎ፣ ርሕሚ፣ መሃንቱስ ወይ ኣብ ሕፍረታዊ ጸጉሪ የሕኽኸካ/ኪ;
- ስጋዊ ርክብ (መትሎ ናብ ርሕሚ ብምስላዅ) ኣብ እትገብርሉ እዋን መድመይቲ ወይ ናይ ከብዲ ቃንዛ እንተልዩ;
- ኣብ ሓደ ወይ ክልቲኦም ፍረነብሲታት ቃንዛ እንተልዩ (ሰብኣይ);
- ደም ዘለዎ ኩስሒ እንድሕር ሓሪእኻ/ኺ;
- ጥንሲ ክኣብየኪ ዝገብሩ ጸገማት (ምኽነት)።
ናይ ርሕሚ ረኽሲታት
ብተወሳኺ ኣንስቲ ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናጻ እናሃለዋ እውን ገለ ካብዞም ምልክታት (ፈሳሲ፣ ርሕመን የሕኽኸን፣ ክሸና እንከለዋ የቃጽለን) ክረኣይወን ይኽእሉ እዮም። እዚኦም ናይ ርሕሚ ረኽሲታት ኮይኖም ብናይ ፈንገስ ረኽሲ (ካንዲዳ) ወይድማ ብናይ ባክተርያ ቫጂኖሲስ ዝመጹ እዮም።
ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽሪ ሕተቲ።
ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላከለፉ ረኽሲታት ሕክምና
እቶም ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምልክታት ዋላ ካብቲ ረኽሲ ከይተናገፍኪ እንከለኺ ክጠፍኡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ሕክምናኺ ክቕጽል ኣለዎ። ዘይተሓከሙ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ንጥዕናኺ ከቢድ ሃስያ ከውርዱሉ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኦም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ እዮም ወይከኣ ምልክታቶም ይሕከሙ።
ናይ ጥዕና ሞያዊ ማዕዳ ሕተት።