ርሕሚ ንብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ብዝመስሉ ምልክታት ክረኣይዎ እንከለዉ ናይ ርሕሚ ረኽሲ ይበሃል። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣይኮነን፣ ከምኡድማ ስጋዊ ርክብ ብምግባርካ በዚ ረኽሲ ኣይትተሓዝን። 

እዚ ረኽሲ ብፈንገስ (ካንዲዳ) ወይድማ ብባክተርያ (ባክተርያዊ ቫጂኖሲስ) ዝመጽእ እዩ። 

መብዛሕትኦም ናይ ርሕሚ ረኽሲታት ብግቡእ ጽሬት ምክልኻል ይከኣል እዩ። 
ጸረነፍሳትን ጭንቂን እውን ናይ ርሕሚ ረኽሲታት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ጸረነፍሳት ኣይትጠቐም። 

ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተልዮምኺ ብናይ ርሕሚ ረኽሲ ተጠቒዕኺ ክትኮኒ ትኽእሊ። 

ናይ ርሕሚ ረኽሲ ኣለኒ ዝብል ሓሳብ እንተሎኪ፣ ንዶክተር ኣዘራርቢ። ናይ ርሕሚ ረኽሲ ብቐሊሉ ክሕከም ይኽእል እዩ። እቲ ዶክተር ክምርምረኪን ብዛዕባ ትኽክለሓ ሕክምና ማዕዳ ክህበኪን ይኽእል እዩ። 

መጻምድትኻ ክትምርመርን ክትሕከምን ዝግባኣ እንተኾይኑ ንዶክተር ሕተት።