ኤችኣይቪ ካብ ሰውነት ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብዝፈሱ ፈሳሲታት እውን ናብ ካልእ ሰብ ክሓልፍ ይኽእል እዩ። ኤችኣይቪ በዞም ዝስዕቡ ክሓልፍ ይኽእል:

እቲ ረኽሲ ዘለዎ ዕልቋቕ፣ ናይ ርሕሚ ፈሳሲ ወይ ናይ ወርሓዊ ጽግያ ደምን ብናይ መሃንቱስ ረቂቕ ፈሳሲ፣ ብኣንፊ መትሎ፣ ብርሕሚን ብኣፍን ናብ ሰውነት ክኣትው ይኽእል እዩ። 

እቲ ረኽሲ ዘለዎ ደም ካልእ ዝተጠቕመሎም መድሃኒት መውግኢ ነገራት ብምጥቃም ወይከኣ ብምምሕልላፍ ደም ብቐጥታ ናብ ካልእ ሰብ ክሓልፍ ይኽእል እዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ብምምሕልላፍ ደም ዘጋጥም ምትሕልላፍ እቲ ረኽሲ ዳርጋ የለን፣ ምኽንያቱ እቲ ደም ኤችኣይቪ ከይህልዎ ይምርመር እዩ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኤችኣይቪ ኣብ እዋን ሕርሲ ወይከኣ ኣብ እዋን ምጥባው ጸባ ጡብ ብጸባ ጡብ እውን ክሓልፍ ይኽእል እዩ።

ኤችኣይቪ ብእንትፍታፍ ኣይሓልፍን። 

እቲ ረኽሲ ዘለዎ ዕልቋቕ፣ ናይ ርሕሚ ፈሳሲን ናይ ወርሓዊ ጽግያ ደምን ብናይ መሃንቱስ ረቂቕ ፈሳሲ፣ ብኣንፊ መትሎ፣ ብርሕሚን ብኣፍን ናብ ሰውነት ክኣትው ይኽእል እዩ።
ኤችኣይቪ ብደም ክመሓላለፍ ይኽእል፣ ንኣብነት፣ ካልእ ብዝተጠቕመሎም መራፍእ ብምውጋእ።
ኤችኣይቪ ኣብ እዋን ምጥባው ጸባ ጡብ ብጸባ ጡብ ክሓልፍ ይኽእል እዩ።

ብስጋዊ ርክብ ምትሕልላፍ

ሓደ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ግቡእ ሕክምና እንድሕር ወሲዱ፣ ዋላ ብዘይ ኮንደም ስጋዊ ርክብ ክፍጽም እንከሎ ኤችኣይቪ ናብ ካልእ ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። 

ኤችኣይቪ ዝመሓላለፈሎም መንገዲታት: ብዘይ ኮንደም ዝግበር ርሕማዊ ስጋዊ ርክብ
ኤችኣይቪ ዝመሓላለፈሎም መንገዲታት: ብዘይ ኮንደም ዝግበር ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ
ኤችኣይቪ ዝመሓላለፈሎም መንገዲታት: ብዘይ ኮንደም ዝግበር ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ

ብኻልእ መንገዲታት ምትሕልላፍ

ኤችኣይቪ ዝመሓላለፈሎም መንገዲታት: ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ሕርሲ ወይድማ ኣብ እዋን ምጥባው ጸባ ጡብ
ኤችኣይቪ ዝመሓላለፈሎም መንገዲታት: ካልእ ዝተጠቕመሎም በላሕቲ ነገራት ብምጥቃም

ብተራ ምትንኻፍ ኣይመሓላለፍን

ብተራ ምትንኻፍ ኤችኣይቪ ክሓልፈካ ኣይክእልን፣ ንኣብነት: ብርጭቆ ወይ ብያቲ ምስቲ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብሓባር ብምጥቃም ወይ ምስኡ ብምትንኻፍ ወይ ብምስዕዓም።

ሰባት ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ብዓይንኻ ብምርኣይ ጥራይ ምፍላጥ ኣይከኣልን።

ኤችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገዲታት: ብርጭቆ ወይ ብያቲ ብሓባር ምጥቃም
ኤችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገዲታት: ኣእዳው ምትንኻፍ ወይ ምጭብባጥ
ኤችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገዲታት: ምስዓም

ምክልኻል ኤችኣይቪ

ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት እንተዘይተሓኪሞም ናብ ካልኦት ከመሓላልፉይኽእሉ እዮም። ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉንገዛእርእስኻን ንኻልኦትን ንምክልኻል፣ ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ኮንደም ተጠቐም።