ኤችኣይቪ ካብ ሰውነት ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብዝፈሱ ፈሳሲታት እውን ናብ ካልእ ሰብ ክሓልፍ ይኽእል እዩ። ኤችኣይቪ በዞም ዝስዕቡ ክሓልፍ ይኽእል:
- ዕልቋቕ;
- ናይ ርሕሚ ፈሳሲ;
- ደም;
- ብጸባ ጡብ።
እቲ ረኽሲ ዘለዎ ዕልቋቕ፣ ናይ ርሕሚ ፈሳሲ ወይ ናይ ወርሓዊ ጽግያ ደምን ብናይ መሃንቱስ ረቂቕ ፈሳሲ፣ ብኣንፊ መትሎ፣ ብርሕሚን ብኣፍን ናብ ሰውነት ክኣትው ይኽእል እዩ።
እቲ ረኽሲ ዘለዎ ደም ካልእ ዝተጠቕመሎም መድሃኒት መውግኢ ነገራት ብምጥቃም ወይከኣ ብምምሕልላፍ ደም ብቐጥታ ናብ ካልእ ሰብ ክሓልፍ ይኽእል እዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ብምምሕልላፍ ደም ዘጋጥም ምትሕልላፍ እቲ ረኽሲ ዳርጋ የለን፣ ምኽንያቱ እቲ ደም ኤችኣይቪ ከይህልዎ ይምርመር እዩ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኤችኣይቪ ኣብ እዋን ሕርሲ ወይከኣ ኣብ እዋን ምጥባው ጸባ ጡብ ብጸባ ጡብ እውን ክሓልፍ ይኽእል እዩ።
ኤችኣይቪ ብእንትፍታፍ ኣይሓልፍን።
ብስጋዊ ርክብ ምትሕልላፍ
- ኤችኣይቪ ምስ ዘለዎ ሰብ ብዘይ ኮንደም ብዝግበር ናይ ርሕሚ ስጋዊ ርክብ፣ ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ ወይ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ።
- ኤችኣይቪ ብናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ ጸቢብ እዩ (ናይቲ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ዕልቋቕ ወይደም ኣብ ኣፍኪ እንድሕር ፈሲሱን ኣብ ቆርበትክ ብሳዕ እንተልዩኪን ጥራይ እዩ ክሓልፈኪ ዝኽእል)።
ሓደ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ግቡእ ሕክምና እንድሕር ወሲዱ፣ ዋላ ብዘይ ኮንደም ስጋዊ ርክብ ክፍጽም እንከሎ ኤችኣይቪ ናብ ካልእ ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ብኻልእ መንገዲታት ምትሕልላፍ
ብተራ ምትንኻፍ ኣይመሓላለፍን
ብተራ ምትንኻፍ ኤችኣይቪ ክሓልፈካ ኣይክእልን፣ ንኣብነት: ብርጭቆ ወይ ብያቲ ምስቲ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብሓባር ብምጥቃም ወይ ምስኡ ብምትንኻፍ ወይ ብምስዕዓም።
ሰባት ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ብዓይንኻ ብምርኣይ ጥራይ ምፍላጥ ኣይከኣልን።
ምክልኻል ኤችኣይቪ
ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት እንተዘይተሓኪሞም ናብ ካልኦት ከመሓላልፉይኽእሉ እዮም። ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ንገዛእርእስኻን ንኻልኦትን ንምክልኻል፣ ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ኮንደም ተጠቐም።