ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና

ኤችኣይቪ ኤይድስ እንተልዩካሞ ኣፋውስካ ኩሉ መዓልቲ ብግቡእ ትወስድ እንተኾንካ፣ ስሩዕ ህይወት ትመርሕ ጥራይ ዘይኮነስ ክንዲት ኤችኣይቪ ዘይብሉ ሰብ ዝነብሮ መዋእል ክትነብር ትኽእል ኢኻ።

ኣፋውስካ በቲ ሓኪም ዝኣዘዘልካ ኣገባብ ውሰድ። ኣየናይ መድሓኒት ዝያዳ ምሳኻ ከምዝኸይድ ምስ ሓኪም ተዘራረብ። 

እንተዘይተሓኪምካመከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከለኻ ወይ ብደም ኣቢልካ ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ። ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ሕርሲ ወይከኣ ጸባ ጡብ ከተጥቡዊ እንከለኺ ናብ ቆልዓኺ ከተመሓላልፊ ትኽእሊ ኢኺ። ግቡእ ሕክምና እትወስድ ኤችኣይቪ ዘለዋ ሰበይቲ፣ ጥዑያት ቆልዑት ክትወልድ ትኽእል እያ። 

ጥዑይ መነባብሮ

ጥዕናኻ ተኸናኸን:

  • ኣመጋግባኻ ጥዑይ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕምኻ ክብ የብለልካ።
  • ኣካላዊ ንጥፈታት ግበር።
  • እትወስዶ መጠን ሽጋራ፣ ዕጸፋርስን ኣልኮልን ኣዚኻ ነኪ።
  • ለይቲ ጽቡቕ ዕረፍቲ ውሰድ። ጭንቂ ይንክየልካ።
ኣመጋግባኻ ጥዑይ ክኸውን ኣለዎ።
ኣካላዊ ንጥፈታት ግበር።
እትወስዶ መጠን ሽጋራ፣ ዕጸፋርስን ኣልኮልን ኣዚኻ ነኪ።
ለይቲ ጽቡቕ ዕረፍቲ ውሰድ።

ማሕበራዊ ምትንኻፍ

ብማሕበራዊ ምትንኻፍ ናብ ሰባት ከተመሓላልፍ ኣይትኽእልን። ንኣብነት ካልእ ሰብ ዝተጠቕመሉ ብርጭቆ ወይ ብያቲ ብምጥቃምካ ወይከኣ ንገለ ሰብ ብምትንካፍካ ወይ ብምስዓምካ ክትሰግእ የብልካን።

ኤችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገዲታት: ብርጭቆ ወይ ብያቲ ብሓባር ምጥቃም
ኤችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገዲታት: ኣእዳው ምትንኻፍ ወይ ምጭብባጥ
ኤችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገዲታት: ምስዓም

ትሑት ናብ ካልኦት ናይ ምትሕልልፋ ስግኣተ-ሓደጋ

ኣፋውስካ ኩሉ መዓልቲ ብግቡእ እንድሕር ትወስድ ኮንካ፣ ኣብ ደምካ ዘሎ በዝሒ ኤችኣይቪ (ጻዕቂ ቫይረስ) ይንኪ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዋላኳ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰውነትካ እንተሃለወ፣ ኣበይ ከምዘሎ ክረኣይ ኣይክእልን። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ካልኦት እተመሓላልፈሉ ስግኣተ-ሓደጋ ዳርጋ የለን። 

ኤችኣይቪ ዋላ ይሃልኻ ስሩዕ ህይወት ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ፣ ይኹን እምበር እቲ ሰብ ናብዚ ስግኣተ ሓደጋ ክኣቱ ከይተስማዕመዐ እንከሎ ደይመደይ ኢልካ ኤችኣይቪ ወይከኣ ካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናብ ካልእ ሰብ ምትሕልላፍ ብሕጊ የቕጽዕ እዩ። እዚ ኣብ ስሩዕ ርክብን ኣብ ካልኦት ወሲባዊ መጻምድቲን ዝሰርሕ ሕጊ እዩ። 

ካልኦት ነቲ ረኽሲ ከይቃልዑ ንምክልኻል እትኽእሎ እንተጌርካ፣ ክትቅጻዕ ኣይትኽእልን። ንኣብነት: ኮንደም እንድሕር ተጠቒምካ ከምኡድማ/ወይድማ ዕዉትናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ትወስድ እንተሊኻ። 

ብኮንደም ወሲባዊ ርክብ ክትገብር እንተደሊኻ ምስ መጻምድትኻን ምስ ሓኪምን እንተትዘራረበሉ ይምከር። 

ኤችኣይቪ ከምዘለካ ንካልእ ሰብ ምንጋር

ምስ ኤችኣይቪ ምንባር እንድሕር ከቢዱካ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ምስ ገለ ሰብ እንተተዕልል ክጠቕመካ ይኽእል እዩ። ኤችኣይቪ ከምዘለካ ንሰባት ክትነግር ኣይትግደድን።