ኤችኣይቪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው

ኤችኣይቪ ክፍወስ ኣይክእልን ግን ግቡእ ኣፋውስ ተጠቒምካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ይኽእል እዩ። ኤችኣይቪ እንተልዩካሞ ብኣጋኡ ኣፋውስ ምውሳድ እንተጀሚርካ፣ ስሩዕ ህይወትካ ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ፣ ኤችኣይቪ እውን ኣይሕዘካን። ሽዕኡ ንውሓት ዕድመኻ ማዕረ እቶም ኤኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ይኸውን።

እተፈላለዩ ኣፋውስ ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ብዙሓት ከኒናታት ሕውስዋስ ኢኺ ትወሃቢ። ኣየኖት ኣፋውስ ንዓኺ ዝሓሹ ከምዝኾኑ ንስኺን እቲ ዶክተርን ብሓባር ትውስኑ።

እቲ ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ካልኦት ኣፋውስ ዕዉታት ከይኾኑ ክጸልዎም ይኽእል እዩ። ካልኦት ኣፋውስ ትወስድ እንተሊኻ ንዶክተርካ ንገሮ። 

እቲ ናይ ኤችኣይቪ መድሓኒት ጎድናዊ ሃስያ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባኡ ዶክተር ኣዘራርብ። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ክሕከሙ ዝኽእሉ እዮም። መጀመርያ ምስ ዶክተርካ ከይተማኸርካ መጠን መድሓኒት ከይትቕይር ከምኡድማ መድሓኒት ከይተቋርጽ። 

ኣፋውስ በቲ ዝተኣዘዘልካ ኣገባብ ምውሳድ

እቶም ኣፋውስ በቲ ዶክተር ዝሃበካ ትእዛዝ መሰረት እንድሕር ወሲድካዮም እዮም ዝሰርሑልካ። እቶም ኣፋዉስ ንኽሰርሑልካ:

  • ግቡእ መጠን ኣፋውስ ውሰድ;
  • እቶም ኣፋውስ ኩሉመዓልቲ ውሰዶም;
  • እቲ መድሓኒት ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ውሰዶ;
  • እቶም ኣፋውስ ኣብ ዓይነት እቲ ትእዛዝ ተደሪኽካ፣ ብመሰረት ትእዛዝ ናይቲ ዶክተር ውሰዶ: ምስ ወይ ብዘይ መግቢ።
  • መጀመርያ ምስ ዶክተር ከይተዘራረብካ ፈጺምካ ኣፋውስ ከይትወስድ። ሕክምናኻ ብግዝያዊነት ምቁራጽ ኣድማዒነቱ ይንክዮ።

ካልኦት ኣፋውስ ትወስድ እንተሊኻ ንሓኪምካ ክትነግሮ ኣለካ። እቶም ኣፋውስ እቶም ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ ብግቡእ ከይሰርሑ ይጸልዉዎም እዮም። እቶም ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ ንናይ ካልኦት ኣፋውስ ውጽኢታውነት እውን ይጸልዉ እዮም።

ትሑት ናብ ካልኦት ናይ ምትሕልልፋ ስግኣተ-ሓደጋ

ኣፋውስካ ኩሉ መዓልቲ ብግቡእ እንድሕር ትወስድ ኮንካ፣ ኣብ ደምካ ዘሎ በዝሒ ኤችኣይቪ (ጻዕቂ ቫይረስ) ይንኪ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፣ ዋላኳ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰውነትካ እንተሃለወ፣ ኣበይ ከምዘሎ ክረኣይ ኣይክእልን። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ካልኦት እተመሓላልፈሉ ስግኣተ-ሓደጋ ዳርጋ የለን።

ኤችኣይቪ እንከለካ ስጋዊ ርክብ ምግባር

ኤችኣይቪ ዋላ ይሃልኻ ስሩዕ ህይወት ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ፣ ይኹን እምበር እቲ ሰብ ናብዚ ስግኣተ ሓደጋ ክኣቱ ከይተስማዕመዐ እንከሎ ደይመደይ ኢልካ ኤችኣይቪ ወይከኣ ካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናብ ካልእ ሰብ ምትሕልላፍ ብሕጊ የቕጽዕ እዩ። እዚ ኣብ ስሩዕ ርክብን ኣብ ካልኦት ወሲባዊ መጻምድቲን ዝሰርሕ ሕጊ እዩ። 

ካልኦት ነቲ ረኽሲ ከይቃልዑ ንምክልኻል እትኽእሎ እንተጌርካ፣ ክትቅጻዕ ኣይትኽእልን። ንኣብነት: ኮንደም እንድሕር ተጠቒምካ ከምኡድማ/ወይድማ ዕዉት ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ትወስድ እንተሊኻ። 

ብኮንደም ወሲባዊ ርክብ ክትገብር እንተደሊኻ ምስ መጻምድትኻን ምስ ሓኪምን እንተትዘራረበሉ ይምከር። 

ንሓኪም ምዝርራብ

ነጻ ኾንካ ምስቲ ሓኪም ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዶክተር ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታ ንኻልእ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይክእልን። ንሱ/ንሳ ስትረትኪ/ካ ክሕሉ/ክትሕሉ ብሕጊ ይግደድ/ትግደድ እዩ/ያ