ኤችኣይቪ ማለት ሂዩማን ኢምዩኖዲፊሸንሲ ቫይረስ ማለት እዩ። ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰውነትካ ዘጥቅዕ ቫይረስ እዩ። ብጾታዊ መራኽቦ፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ምጥባው ጡብን ካብ ኣደ ናብ ህጻን፣ በላሕቲ ነገራት ብሓባር ብምጥቃም፣ ሳሕቲ ድማ ኣብ እዋን ስግግር ደም። 

ኣፋውስ ንኤችኣይቪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትውዎ እዮም ይኹን እምበር ኤችኣይቪ ኣይፍወስን (ገና)። ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ እናወሰደ ስሩዕ ህይወት ክነብር ይኽእል እዩ። ዕዉት ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ትገብር እንድሕር ኣለኻ፣ እቲ ረኽሲ ናብ ካልኦት ናይ ምትሕልላፍ ስግኣተ-ሓደጋኻ እውን ዳርጋ ዜሮ እዩ ዝኸውን። ኣብ ኖርወይ ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስን ናይ ኤችኣይቪ ሕክምናን ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም ዝወሃቡ። 

ሕክምናኻ ብዕቱብ እንድሕር ዘይትከታተል ኮንካ፣ ዋላ ምልክታት ኣይሃልዉኻ ኤችኣይቪ ናብ ካልኦት ከተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ።

ኤችኣይቪ እንተልዩካሞ መድሃኒት እንተዘይወሲድካሉ፣ ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰውነትካ ይደክም። ንነዊሕ ግዜ ኣፋውስ ከይወሰድካ ምስጸናሕካ፣ ሰውነትካ ሙሉብሙሉእ ረኽሲታት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ይስእን። ድሕሪኡ ኤይድስ ይሕዘካ። ኤይድስ ዘለዎ ሰብ ክንድቲ ኤይድስ ዘይብሎ ሰብ ዝነብሮ ንውሓት ዕድመ ክነብር ኣይክእልን።

ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ። እቲ ጠመተ ኣብ ሰራውር ደም እዩ።
ንሰውነት ወዲሰብ ካብ ረኽሲታት ዝከላኸሊ ብዙሓት ጸዓዱ ዋሃዮታት ደም ዝሓዘ ሱር ደም ዘርኢ ዝርዝር
ጸዓዱ ዋሃዮታት ደም ዘጥቅዑ ገለ ቫይረሳት ኤችኣይቪ ዝሓዘ ሱር ደም ዘርኢ ዝርዝር።
ኣዝዮም ብዙሕ ቫይረሳት ኤችኣይቪ ዘለዉዎ ከምኡድማ ሒደት ጸዓዱ ዋሃዮታት ደም ዝተረፉዎ ሱር ደም ዘርኢ ዝርዝር። እቲ ሰውነት ድሕሪ ሕጂ ንገዛእርእሱ ካብ ረኽሲታት ክከላኸል ዝኽእለሉ ዓቕሚ የብሉን።
ሓሚሙ ዓራት ዝሓዘ ሰብኣይ: ኤችኣይቪ እንተለዩካሞ ንነወሲሕ ግዜ ኣፋውስ ከይወሰድካ እንተጸኒሕካ፣ ትሓምም።
ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ ዝወስድ ሰብኣይ: ኤችኣይቪ ክፍወስ ኣይክእልን፣ ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ይኽእል እዩ።
ሱር ደም ዘርእዩ ዝርዝራት: ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ ክትወስድ እንከለኻ፣ ቁሩብ ቫይረሳት ኤችኣይቪ ኣብ ደምካ ይተርፉ፣ ይኹን እምበር ነቶም ንሰውነትካ ካብ ረኽሲታት ዝከላኸሉሉ ጻዓዱ ዋሃዮታት ደም ከጥቅዑዎም ኣይኽእሉን።
ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ እናወሰደ ስሩዕ ህይወት እናመርሐ ክነብር ይኽእል እዩ።

ኤችኣይቪ እንተልዩካ ምፍላጥ

ኤችኣይቪ ኣለካዶ የብልካን ንክትፈልጥ፣ ክትምርመር ኣለካ። ኣብ ኖርወይ፣ ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ ዝወሃብ። እቲ መርመራ ዘካይድ ሰብ ሚስጢራዊነት ናይ ምሕላው ግቡእ ኣለዎ። 

ናይ ኤችኣይቪ መርመራ ክትገብር እንተደሊኻ ንናይ ጥዕና ሞያዊ ኣዘራርብ