ኤችኣይቪ ዘለዋ ሰበይቲ ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ክትጠንስን ኤችኣይቪ ዘይብሎም ቆልዑት ክትወልድን ትኽእል እያ።

ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ምጥናስ

ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ብግቡእ ትወስድ እንተሊኻ፣ ብዘይ ኮንደም ስጋዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። 

ብዘይኮንደም ወሲባዊ ርክብ ክትገብር እንተደሊኻ ምስ መጻምድትኻን ምስ ዶክተርን እንተትዘራረበሉ ይምከር።

ሰበይቲ ምስ ዶክተር እናተዛረበት
መጻምድቲ እናዕለሉ

ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ምጥናስ ዘይከኣል እንተኾይኑ

ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምጥናስ ዘይከኣል እንተኾይኑ፣ ካልእ ምርጫ ኣሎ:


እቲ ሰብኣይ ኤችኣይቪ እንተልዩዎ

ናይቲ ሰብኣይ ዕልቋቕ ኤችኣይቪ ኣለዎ

  • እቲ ዶክተር ነቲ ቫይረስ ንምውጋድ ነቲ ዕልቋቕ ‘ይሓጽቦ’።
  • እቲ ዶክተር ነቲ ዝተሓጽበ ዕልቋቕ ብስሪንጋ ገይሩ ናብ ናይታ ሰበይቲ ማህጸን የእትዎ።

እታ ሰበይቲ ኤችኣይቪ እንተልዩዋ

ጥንሲን ኤችኣይቪን

ኤችኣይቪ ዘለዋ ጥንስቲ ሰበይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርሲን መድሓኒት ክትወስድ ኣለዋ። ሽዕኡ ናይቲ ቆልዓ ናይ ምልካፍ ስግኣተ-ሓደጋ ኣዝዩ ይንኪ። 

እቲ ቆልዓ መብዛሕትኡ ግዜ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ እዩ ዝውለድ። እቲ ዶክተር እዚ ውሑስ እዩ ዝብል እምነት እንተልዩዎ፣ እቲ ቆልዓ ከቢዲ ቀዲድካ (መጥባሕታዊ ሕርሲ) ክውለድ ይከኣል እዩ። 

እቲ ቆልዓ እውን ምስተወልደ ኣፋውስ ክወስድ ኣለዎ። 

እታ ኣደ ንቆልዓኣ ጸባ ጡብ ከተጡቢ የብላን። እቲ ጸባ ጡብ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣለዎ እዩ። ምስ ቆልዓኺ እትቀራረብሉ ካልእ መንገዲታት ኣሎ

ኤችኣይቪ ዘለዋ ሰበይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርሲን ኣፋውስ ክትወስድ ኣለዋ።
ኩሉግዜ፣ እቲ ቆልዓ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ እዩ ዝውለድ።
እቲ ቆልዓ እውን ምስተወልደ ኣፋውስ ክወስድ ኣለዎ።
እታ ኣደ ንቆልዓኣ ጸባ ጡብ ከተጡቢ የብላን።
እታ ኣደ ቆልዓኣ ብጡጦ ጌራ ጡጦ እያ ክትምግቦ ዘለዋ።