ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ምጥናስ
ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ብግቡእ ትወስድ እንተሊኻ፣ ብዘይ ኮንደም ስጋዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ብዘይኮንደም ወሲባዊ ርክብ ክትገብር እንተደሊኻ ምስ መጻምድትኻን ምስ ዶክተርን እንተትዘራረበሉ ይምከር።
ጥንሲን ኤችኣይቪን
ኤችኣይቪ ዘለዋ ጥንስቲ ሰበይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርሲን መድሓኒት ክትወስድ ኣለዋ። ሽዕኡ ናይቲ ቆልዓ ናይ ምልካፍ ስግኣተ-ሓደጋ ኣዝዩ ይንኪ።
እቲ ቆልዓ መብዛሕትኡ ግዜ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ እዩ ዝውለድ። እቲ ዶክተር እዚ ውሑስ እዩ ዝብል እምነት እንተልዩዎ፣ እቲ ቆልዓ ከቢዲ ቀዲድካ (መጥባሕታዊ ሕርሲ) ክውለድ ይከኣል እዩ።
እቲ ቆልዓ እውን ምስተወልደ ኣፋውስ ክወስድ ኣለዎ።
እታ ኣደ ንቆልዓኣ ጸባ ጡብ ከተጡቢ የብላን። እቲ ጸባ ጡብ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣለዎ እዩ። ምስ ቆልዓኺ እትቀራረብሉ ካልእ መንገዲታት ኣሎ።