ምስ ኤችኣይቪ ምንባር እንድሕር ከቢዱካ ብዛዕባኡ ንኻልእ ሰብ ምዝራብ ሩፍታ ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ።
ኤችኣይቪ ከምዘለካ ንሰባት ምንጋር ኣወንታዊ ጽልዋታት ክህልዉዎ ይኽእሉ እዮም። እቶም ዝፈለጡ ሰባት ዝያዳ ክርድኡኻን ዝበለጸ ሓገዝ ክገብሩልካን ይኽእሉ። 

ብዛዕባ ናይ ኤችኣይቪ ኩነታትካ መዓስ ክትዛረብ ኣለካ

ኣብ ዝተዳለኸሉን ምዝራብ ኣድላዪ እዩ ኢልካ ኣብ ዝኣመንካሉን እዋን ብዛዕባ ኤችኣይቪ ተዛረብ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኩነታት ክዛረቡ ይደልዩ:

  • ኣብታ ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ዝፈለጡላ ዕለት;
  • ኣፋውስ ምውሳድ ክጅምሩ እንከለዉ;
  • ሓድሽ ርክብ ክጅምሩ እንከለዉ;
  • ሚስጢራዊ ጌርካዮ ምንባር ጽዕንቶኡ ከቢድ ክኸውን እንከሎ።

ንዓኻ ዝጥዕመካ ግዜ ምረጽ። 

ብዙሓት ኣብ ኖርወይ ዝሰርሓ ናይ ኤችኣይቪ ትካላት ናይ መዛኑ ሓገዝ የቕርባ እየን። ብተወሳኺ ኣብ ከምናትካ ኩነታት ንዝርከብ ሰብ ክትዛረብ ኣብ ትደልየሉ እዋን ንዓኻ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ካልኦት ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት እውን ኣለዉ። 

ድሉው ኩን

ሰባት ሕቶታት ክሓቱኻ እዮም። ንሰብ ቅድሚ ምንጋርካ ድሉው ክትከውን ኣለካ:

  • ዘጨንቐካ ዘሎ እንታይ ከምዝኾነን ዘይውሑስ ዝገብረካ ዘሎ እንታይ ከምዝኾነን ክትርዳእ ፈትን። 
  • እንታይ የጋጥመካ ከምዘሎ ብንጹር ኣብርህ። 
  • ንሰብ ብምንጋር ሸቶኻ እንታይ ከምዝኾነ ከምዝደለኻ ሕሰብ። 
  • ካብቲ እትነግሮ ዘለኻ ሰብ ቅጽበታዊ ወይከኣ ቅኑዕ ምላሽ ኣይትጸበ።

ንእታኣምኖምን ክሕግዙኻ ንዝኽእሉን ሰባት ንገር። 

ብዙሓት ሰባት ብዙሕ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ኣይፈልጡን ወይከኣ ግጉይ ዝኾነ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ዘይተጸበኻዮ ወይ ኣሉታዊ ምላሽ ክህቡኻ ይኽእሉ። እዚ ናትካ ጌጋ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኤችኣይቪ እቲ ግቡእ ሓበሬታ ክትህቦም ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።

ናይ ኤችኣይቪ ኩነታትካን ሕጊን

ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኻ ምሳኻ ንዝርከብ ሰብ ኤችኣይቪ ከምዘለካ ክትነግሮ ወይ ዘይክትነግሮ ምውሳን ናትካ መሰል እዩ።

ኤችኣይቪ ከምዘለካ ንናይ ጥዕና ሞያውያን ምንጋር ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ረኽሲ ከምዘለካ እንተፈሊጦም ጥራይ እዮም፣ ግቡእ ክንክን ጥዕና ክገብሩልካ ዝኽእሉ። ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ብናጽነት ከተዕልል ትኽእል ኢኻ። ንሱ/ንሳ ብዛዕባኻ ዝኾነ ሓበሬታ ንኻልእ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኽእሉን። ንሱ/ንሳ ስትረትኪ/ካ ክሕሉ/ክትሕሉ ሕጊ ይግደድ/ትግደድ እዩ/ያ። ንሱ/ንሳ ኣይፈርደካን እዩ።

ሰባት ንስኻ ኤችኣይቪ ስለዘለካ ከግልሉኻ ኣይፍቀደሎምን።