ቅድሚ መትሎኻ ምስላዅ ኮንደም ኣእቱ። በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኣእትዎ:

  • ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ዘየብቀዐ ምዃኑ ፈትሺ። ኣብ ሽፋኑ ደረጃ ጽፈት CE ዝገልጽ ጽሑፍ ዝተጠቐዐሉ ኮንደም ጥራይ ተጠቐሙ። 
  • ነቲ ከረጢት ቀዲድካ ክፈቶ ኣብቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ከረጢት ንእሽተይ ሕርሓር ኣሎ። ብመቐስ፣ ካራ ወይ ስንኻ ከይትኸፍቶ። እቲ ኮንደም ክቕደድ ይኽእል እዩ። ብኣጽፋርካ ከይትበስዖ ተጠንቀቕ።
  • እቲ መትሎ ዘይተኸንሸበ እንተኾይኑ ነቲ ቆቢዕ መትሎ ንድሕሪት ክበሶ። ጫፍ ናይቲ ኮንደም ረምጢጥካ ብምሓዝ መትሓዚ ዕልቋቕ ዝኸውን ክፍተት ትገድፍ፣ ሽዕኡ እቲ ኮንደም ኣብ ጫፍ እቲ መትሎ ግበሮ። እቲ መትሎ ዝተረረ (ረስኒ) ክኸውን ኣለዎ።
  • እቲ ዝተጠቕለለ ከፈፍ ናይቲ ኮንደም ብደገ ከምዘለዎ ኣረጋግጽ። ሽዕኡ እቲ ኮንደም መታን ከይመሉቕ ሙሉእ መትሎ ክሳዕ ዝሽፍን እናዘርጋሕኻ ኣእትዎ። 
  • ድሕሪ ምፍሳስ ዕልቋቕ፣ እቲ ኮንደም መትሎኻ ብተሪሩ እናሃለወ ኣውጽኣዮ። 
  • ነቲ ኮንደም ኣብ ከፈፉ ሓዞ ዕልቋቕ ከምዘይልሑኽ ከኣ ኣረጋግጽ። 
  • ነቲ ኮንደም ዕልቋቕ ከምዘይንጥብ ጌርካ ቋጺርካ ለቁሞ። እቲ ዘገልግለ ኮንደም ናብ ናይ ጓሓፍ ሻንኬሎ ሰንድዎ። 
ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ዘየብቀዐ ምዃኑ ፈትሺ። ኣብ ሽፋኑ ደረጃ ጽፈት CE ዝገልጽ ጽሑፍ ዝተጠቐዐሉ ኮንደም ጥራይ ተጠቐሙ።
ነቲ ከረጢት ቀዲድካ ክፈቶ ኣብቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ከረጢት ንእሽተይ ሕርሓር ኣሎ።
ጫፍ ናይቲ ኮንደም ረምጢጥካ ብምሓዝ መትሓዚ ዕልቋቕ ዝኸውን ክፍተት ትገድፍ፣ ሽዕኡ እቲ ኮንደም ኣብ ጫፍ እቲ መትሎ ግበሮ።
እቲ ዝተጠቕለለ ከፈፍ ናይቲ ኮንደም ብደገ ከምዘለዎ ኣረጋግጽ። ሽዕኡ እቲ ኮንደም መታን ከይመሉቕ ሙሉእ መትሎ ክሳዕ ዝሽፍን እናዘርጋሕኻ ኣእትዎ።
እቲ ኮንደም ንኽትጥቀመሉ ድሉው ኮይኑ ኣሎ።
ድሕሪ ምፍሳስ ዕልቋቕ፣ እቲ ኮንደም መትሎኻ ብተሪሩ እናሃለወ ኣውጽኣዮ።
ነቲ ኮንደም ኣብ ከፈፉ ሓዞ ዕልቋቕ ከምዘይልሑኽ ከኣ ኣረጋግጽ።
ነቲ ኮንደም ዕልቋቕ ከምዘይንጥብ ጌርካ ቋጺርካ ለቁሞ። እቲ ዘገልግለ ኮንደም ናብ ናይ ጓሓፍ ሻንኬሎ ሰንድዎ።

ነቲ ኮንደም ሓደሻብ ጥራይ ተጠቐመሉ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምስ ብዙሓት ሰባት ስጋዊ ርክብ ትፍጽ እንተሊኺ ንነፍሲ ወከፍ መጻምድቲ ሓድሽ ኮንደም ምጥቃም የድልየኪ።  

ኮንደም ከከም ርጉደት ናይቲ መትሎ ብዝተፈላለየ ግዝፈት ይርከቡ። እቲ ኮንደም ኣዝዩ ጸቢብ ወይከኣ ኣዝዩ ገፊሕ ክኸውን የብሉን።

ብሓደ ግዜ 2 ኮንደም ደሪብካ ኣይትጠቐም። እቶም ኮንደማት ክቕደዱ ይኽእሉ እዮም።

ምስቲ ኮንደም ካብ ማይ ዝተሰርሑ መለሳለስቲ ጥራይ ተጠቐም። ብፍላይ ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከለኻ መለስለሲ ልኻይ ተጠቐም።

ኮንደም ምዕዳግ

ኮንደም ኣብ ቤት-መድሓኒት ወይ ኣብ ሱፐርማርኬት ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ገለ እዋናት ድማ ኣብ ካልኦት መደብራት፣ ባራትን ለይታዊ ትልሂታትን ወይድማ ኣብ መሸጢ ማሽናት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ኮንደም ብነጻ ዝዕድሉ ትካላት እውን ኣለዉ።

ናጻ ኮንደም ካብ ዳሬክቶሬት ጥዕና ኖርወይ

ናይ ናጻ ኮንደማት ካብ gratiskondomer.no (ኣብ ኖርወይ ጥራይ) ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።