እቲ ኮንደም ረቂቕ ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ሽፋን መትሎ እዩ። ቅድሚ መትሎኻ ከተስሉኽ ምጅማርካ ኮንደም ናብ ዝወተረ መትሎ ተእቱ። እቲ ሰብኣይ ምስ ኣፍሰሰ ነቲ ዕልቋቕ ኣዕቚሩ ይሕዞ።

ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ

ቆልዓ ክትወልዱ መደብ እንድሕር ዘይብልኩም ኣብ እዋን ወሲባዊ ርክብ ኮንደም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ።

ኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ምክልኻል

ኮንደም ንዓኻን ንመጻምድትኻን ካብ ኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ይከላኸለልኩም። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምልካፍ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። ኩሉግዜ ግን ኣብ ናትካን ኣብ ናይ መጻምድትኻን ቆርበት ዝርከብ ሓፈው፣ ደቀቕቲ ሕበጣትን ዓበቕን ሙሉብሙሉእ ኣይሽፍንን። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፣ ንብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ኣለካ ማለት እዩ። 

ኤችኣይቪ ንምክልኻልን ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ስግኣተ-ሓደጋ ንምንካይን፣ ናይ ርሕሚ ወይ ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከለኻ ኮንደም ተጠቐም። 

ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ ናብ ኣፍኪ ደምን ዕልቋቕን ከይፈሰኪ ተጠንቀቒ; ሽዕኡ ንኤችኣይቪ ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ ትሑት ይኸውን። ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ ኮንደም ምጥቃም ንካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ እውን ይንክየልኪ።

ንስኻን መጻምድትኻን ኮንደም ክትጥቀሙ ዘይትደልዩ እንተኾንኩም፣ ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ናይ ኤችኣይቪን ምርመራ ንምግባር ምስ ዶክተር ተዘራረቡ

ኮንደም ምዕዳግ

ኮንደም ኣብ ቤት-መድሓኒት ወይ ኣብ ሱፐርማርኬት ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ገለ እዋናት ድማ ኣብ ካልኦት መደብራት፣ ባራትን ለይታዊ ትልሂታትን ወይድማ ኣብ መሸጢ ማሽናት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ኮንደም ብነጻ ዝዕድሉ ትካላት እውን ኣለዉ።

ናጻ ኮንደም ካብ ዳሬክቶሬት ጥዕና ኖርወይ

ናይ ናጻ ኮንደማት ካብ gratiskondomer.no (ኣብ ኖርወይ ጥራይ) ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ደቂኣነስትዮ ኮንደም

ናይ ደቂኣነስትዮ ኮንደማት እውን ኣለዉ።