ብመሰረት ሕጊ ኖርወይ ሰባት ኣብ ኖርወይ ዝደለዩዎ መጻምድቲ ክመርጹ ሙሉእ ናጽነት ኣለዎም

ሰባት ኣብ ገለ ረቛሒታት ተደሪኾም መጻምድቲ ይመርጹ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት እዞም ረቛሒታት እዚኦም ይጥቀሙ ከምዘለዉ ኣየስተብህሉን። ገለ ሰባት ነዚኦም ስለዝግንዘቡ እዞም ረቛሒታት ዘማልእ መጻምድቲ ጥራይ ይደልዩ። ንኣብነት: 

  • መበቆል; 
  • ስብእና;
  • ብልሒ ኣእምሮ;
  • ዋዛ;
  • ገንዘባዊ ኩነታት; 
  • መሸከል…

ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይቲን መበገስቲ ርክብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ሓደሓደ ግዜ ወለዲ ወይ ቤተሰብ ውላዶም ዝምርዐዎ ሰብ ዝመርጹሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እዚ ምዱብ መርዓ ይበሃል። እቶም መናእሰይ መብዛሕትኡ ግዜ ክምርዓዉ ይደልዩዶ ኣይደልዩን ባዕሎም እዩም ዝውስኑ፣ ይኹን እምበር ኩሉግዜ ከምዚ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣስገዳድ መርዓ ብሕጊ ክልኩል እዩ።