ገለ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ብዙሓት መጻምድቲ ርክባት ይምስርቱ። ሓደሓደ ግዜ እዞም ርክባት ብኣብዝሓ ኣብ ስጋዊ ርክብ ዝተደረኹ እዮም ( ወዝቢ ዝግበር ወሲባዊ ምትንኻፍ)፣ ይኹን እምበር እቲ ርክብ ኣብ መንፈሳዊ ምቅርራብ ዝተደረኸ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምስ ዝተፈላለዩ መጻምድቲ መከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብዊ ምትንኻፋት እንድሕር ጌርካ፣ ንብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል ይኸውን። ንገዛእርእስኻ፣ ንመጻምድትኻን ካልኦት ሰባትን ንምክልኻል ኮንደም ተጠቐም።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፣ ምስ ብዙሓት ዝግበር ርክብ ኣጸጋሚ እናኾነ ክመጽእ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ብምኽንያት ሚስጢራዊነትን ቅንኢን

ኣብ ኖርወይ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ 1 ሰብ ንላዕሊ ምምርዓው ብሕጊ ክልኩል እዩ