ቆልዑት ዘለዉዎም ወይከኣ ዘይብሎም መጻምድቲ፣ ብሓባር ክነብሩ ከምዝደልዩ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም። እተፈላለዩ ምርጫታት ኣለዉዎም:

  • ተመርዓዉ ወይከኣ ብሓባር ናይ ምንባር ውዕል ተፈራረሙ (ሕጋዊ ኮንትራት);
  • ብዘይ መርዓ ወይ ሕጋዊ ኮንትራት ብሓብር ንበሩ። 

ብሓባር ናይ ምንባር ውዕል ሕጋዊ ኮንትራት እዩ፣ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ መሰላትን ግቡኣትን ካብቶም ኣብ መርዓ ዘለዉ ይፍለዩ እዮም። 

ገለ መጻምድቲ ርክብ ኣለዎም፣ ግን ብሓንሳብ ኣይነብሩን። ከምዚ ዓይነት ርክብ "ተረሓሒቕካ ብሓብር ምንባር" ይበሃል።