ናይ ተመሳሳሊ ጾታ ርክባት

ግብረሰዶማዊነት ማለት ብስምዒትን ብስጋዊ ርክብን ምስ ተመሳሳሊ ጾታኻ ምስሕሓብ ማለት እዩ። ሰብኡት ብሰብኡት ይሰሓቡ ኣንስቲ ድማ ብኣንስቲ ይሰሓባ ግብረሰዶማዊ ሰብኡት ጌይ ተባሎም እውን ይጽውዑ እዮም። ግብረሰዶማዊያን ኣንስቲ ድማ ለዝብያን ተባሂለን ይጽውዓ። ገለ ሰባት ድማ ብሰብኡትን ብኣንስቲን ይሰሓቡ። እዞም ሰባት ድርብጾታዊያን ይበሃሉ።

ግብረሰዶማዊነት ካብ ሰባት ናብ ሰባትን ኣብ እተፈላለዩ ግዜታት መዋእሎምን ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ገለ ሰባት ግብረሰዶማውያን ምዃኖም ገና ኣብ ቁልዕነቶም ወይ ኣብ መንእሰይነቶም ይፈልጡ። ገለ ሰባት ድማ ኣብ ገለ ምዕራፍ መዋእሎም ጥራይ ናይ ግብረሰዶማዊነት ስምዒታት ይህልዎም። ገለ ሰባት ተመሳሰልቲ ጾታኦም ዝኾኑ ሰባት ይስሕብዎም ግን ስምዒታቶም ብግብሪ ኣይነብሩዎምን።

2 ሰብኡት እናተቐራረቡ
ሌዝብያን ኣንስቲ ምስ ቆልዑተን

ሰባት ስለምንታይ ግብረሰዶማውያን ይኾኑ

ሰባት ስለምንታይ ሄትሮሴክሽወል፣ ድርብጾታዊ ወይም ግብረሰዶማውያን ከምዝኾኑ ኣይንፈልጥን። ይኹን እምበር ገለ ነገራት ግን ግልጺ እዮም:

  • ወሲባዊ ሳሕቢ ፈሊጥካን ኣሰላሲልካን ትውስኖ ውሳነ ኣይኮነን።
  • ወሲባዊ ዝንባለ ከም ናይ ዓይኒ ወይ ናይ ጸጉሪ ሕብሪ ብዘርኢ ዝውረስ ኣይኮነን። 
  • ሄትሮሴክሽወል ሰባት፣ ግብረሰዶማዊያን ሰባትን ድርብጾታዊ ሰባትን ኣብ ኩለን ሃገራትን ባህሊታትን ይርከቡ። ይኹን እምበር፣ ግብረሰዶማዊ ርክባት ክንዲ ናይ ተቓራኒ ጾታ ርክባት ብበዝሒ ዝረኣዩ ተርእዮታት ኣይኮኑን።

ናይ ገዛእርእስኻ ጾታዊ ድሌታት ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ። ይኹን እምበር ግብረሰዶማውያንን ድርብጾታውያንን ሰባት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተቐባልነት የብሎምን። ሓደሓደ ግዜ ንኣድልዎን መጥቃዕትን እውን ይቃልዑ እዮም። ኣብ ኖርወይን ብዙሓት ሃገራት አውሮጳን ኣንጻር ግብረሰዶማውያንን ድርብጾታውያንን ዝግበር ኣድልዎ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ብመሰረት ሕጊ፣ ዝኾነ ሰብ ኣንጻር ግብረሰዶማውያን ወይ ድርብጾታውያን ሰባት ዝተፈልየ ኣተኣላልያ ክገብር፣ ኣድልዎን ምግላልን ክፍጽም ኣይፍቀደሉን እዩ።

ግብረሰዶማዊ ወይ ድርብጾታዊ ምዃንካ ንኻልኦት ሰባት ምንጋር

ብዙሓት ግብረሰዶማውያን ወይ ድርብጾታውያን ሰባት መንነቶም ከምዘለዎ ቅቡል መታን ክኸውን ንኣዕሩኽቶም፣ ቤተሰቦምን ካልኦትን ምንጋር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ንስኻ ግብረሰዶማዊ እንተኾንካ፣ ምንጋርን ዘይምንጋርን፣ መዓስን ንመንን ክትነግር ከምዘለካ ናትካ ውሳነ እዩ።

  • ሓደሓደ ግዜ፣ ግብረሰዶማዊ ወይ ድርብጾታዊ ምዃንካ ንኻልእ ሰብ ምንጋር ትብዓት ይሓትት እዩ።
  • እዚ ዓብዪ ሩፍታ ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ስምዒታትካ ምሕባእ ኣየድልየካን። መጀመርያ፣ ንእትኣምኖምን ንዓኻ ምስ ሙሉእ መንነትካ ክቕበሉኻ ምዃኖም እትተኣማመነሎምን ሰባት ንገር።
  • ሰባት ግብረሰዶማዊ ወይ ድርብጾታዊ ምዃንካ ክትነግሮም እንከለኻ ዝህቡኻ ምላሽ እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት አወንታዊ ወይከኣ መርገጺ ኣልቦ ምላሽ ክህቡኻ እንከለዉ፣ ገለ ሰባት ግን ግብረሰዶማውያን ሰባት ስለዘይቕበሉ ኣሉታዊ ምላሽ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምር፣ ኣብ ኖርወይ ዋላሓደ ሰብ ንዓኻ ከምኡ ብምዃንካ ምኽንያት ብሕማቕ ክሕዘካ ወይ ኣድልዎ ክፍጽመልካ ኣይፍቀደሉን።
  • ገለ ግብረሰዶማዊ ወይ ድርብጾታዊ ብምዃንካ ሕማቕ ኣተኣላልያ ዝገበረልካ ወይ ኣድልዎ ዝፈጸመልካ ሰብ እንተልዩ፣ ካብ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ

ኣብ ኖርወይን ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፣ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክመራዓዉ ይኽእሉ እዮም