ርክብ ኣብ መንጎ 2 (ወይድማ ካልእ ዝያዳ) ሰባት ዘሎ ምትእስሳርን ምቅርራብን ይገልጽ። ናይ ምቅርራብ ርድኢት ኣብ ሕድሕድ ርክብ ዝተፈላለየ እዩ። 

ሓፈሻዊ ናይ ጽቡቕ ርክብ መግለጺ የለን

ሰባት እተፈላለዩ ዓይነታት ርክባትን ሜላታት መነባብሮን ክህልዉዎም ይኽእሉ። ንኣብነት:

ርክብ ናይዞም ዓይነታት ርክባት ወይ ሜላታት መነባብሮ ውሁድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኻ ካብ ሓደ ዓይነት ናብ ካልእ ዓይነት እናዓበየ እውን ክኸይድ ይኽእል። 

ኣየናይ ዓይነት ርክብ ንዓኻ ከምዝጥዕመካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ርክብ እንድሕር መስሪትካ፣ ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ስምዒታትኩምን ትጽቢታትኩም ከተዕልሉ ትኽእሉ ኢኹም። ክልቴኹም ብሓባር ኮንኩም ንኽልቴኹም ዝጥዕመኩም ኣናድዩ።

ፍቕሪን ስጋዊ ርክብን ኣብ ርክብ

ገለ ርክባት ኣብ መንጎ ክልቲኦም መጻምድቲ ኣብ ዘሎ ፍቕሪ ዝተደረኹ እዮም፣ ካልኦት ርክባት ግን ከምኡ ኣይኮኑን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ፍቕሪ ኣብ ከይዲ ርክብ እናዓበየ ክኸይድ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ፍቕሪ ስምዒት እውን ኣብ ከይዲ ግዜ ክቕየር ይኽእል እዩ። 

እቲ ርክብ ወሲባዊ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ናይ ግድን ግን ኣይኮነን። ንስኻን መጻምድትኻን ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንተኾንኩም፣ መዓስን ከመይን ክትገብሩ ከምዘለኩም ትውስኑ። ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ርክብ ኣገዲድካ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ምግባር ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ይበሃል። እዚ ብሕጊ ክልኩል እዩ

ምስ ዝተፈላለዩ መጻምድቲ መከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብዊ ምትንኻፋት እንድሕር ጌርካ፣ ንብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል ይኸውን። ንገዛእርእስኻን ንመጻምድቲኻን ንምክልኻል ኮንደም ተጠቐም።

ርክብ ከም ስራሕ ምርኣይ

ርክባት ኣብ ከይዲ ግዜ ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ንሓድሕድካ ምዝርራብ ኣብ ርክብ ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺ ርክብኩም ከም ስራሕ ቆጺርኩም ግዜን ጉልበትን እንተተፍስሱሉ ኸኣ ዝያዳ ጽቡቕ ይኸውን።

ንኽልቴኹም ዘመሳስሉኹም ነገራት ምንዳይ ክልቴኹም መጻምድቲ ብዛዕባ ርክብኩም ኣወንታዊ ስምዒት ክህልወኩም ይገብር።

ሰባት ኣብ ርክቦም ጸገማት ከጋጥሙዎም እውን ይኽእሉ እዮምንዘጋጥም ጸገም ብሓባር ኮንካ ምእላይ ንሓድሕድኩም ዝያዳ ክትቀራረቡ ይጠቕመኩም። ብሓባር ኮንኩም ክትፈትሑዎ እንተዘይክኢልኩም ናይ ሞያዊ ሓገዝ ሕተቱ። ሓደሓደ ግዜ እቶም ጸገማት መፍትሒ ይሰኣኖምሞ፣ ርክብ ይፈርስ።