ኣብ ርክብ ዘለዉ መጻምድቲ 2 ሓደ ዓይነት ሰባት ኣይኮኑን። ሓደ ዓይነት ኣይኮኑን፣ ግን ማዕረ መሰላት ኣለዎም። እዚ ማለት ናይ ሕድሕድ መጻምድቲ ደረታትን ምርጫታትን ክኽበሩ ኣለዎም ማለት እዩ

ናይ ሓዲኦም መጻምድቲ ደረታት እንድሕር ዘይተኸቢሮም እቲ ርክብ ታሕጓስ ዝጎደሎ ይኸውን። 

ኣብ ማዕርነት ዝተደረኹ መጻምድቲ ንሓድሕዶም ኣወንታዊ ስምዒት መታን ክለዋወጡ ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ። ከምዚ ዝስዕብ ክኾኑ ኣይደልዩን:

  • እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ዓብላልነት ክህልዎ ኣይደልዩን (ናይ ሓዲኦም ዋጋ ካብ ናይቲ ካልእ ዋጋ ዝኸበረ እዩ ኢሎም ኣይሓስቡን) ወይድማ;
  • ብዛዕባ ኩሉነገራት እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ፍቓድ ወይ ሓሳብ ይደሊ (ሓዲኦም ካብ ሓዲኦም ዝተሓተ ዋጋ ኣለና ኢሎም ኣይኣምኑን)።

ማዕረ መጻምድቲ ኣብ ርክቦም ማዕረ ግቡእ ይስከሙ። ንኣብነት: ቆልዑት ክወልዱ ይደልዩዶ ኣይደልዩን (ምጣነ ስድራ)፣ መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀሙ ድዮም ኣይጥቀሙን፣ ክጥቀሙ እንተኾይኖምከ ኣየናይ ዓይነት እዮም ክጥቀሙ ብሓባር ኮይኖም እዮም ዝውስኑ። 

ሓደሓደ ግዜ ማዕርነት ዘይምህላው ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ወይድማ ወሲባዊ ዓማጻይ ባህሪ ክወልድ ይኽል እዩ።