ንመጻምድትኻ ክብሪ ምሃብ ማለት ናይ መጻምድትኻ ስምዒታት፣ ትምኒታትን መሰላትን ኣብ ግምት ምእታው ማለት እዩ።
ንመጻምድትኻ እንድሕር ተኽብር ኮንካ፣ ብዛዕባኣ ኣወንታዊ ምዃንካ ተርእያ። ብተወሳኺ ናይ መጻምድትኻ ደረታት ተኽብር ኣለኻ ማለት እውን እዩ። 

መጻምድትኺ ከኽብረኪ እንድሕር ዘይፍትን ኮይኑ፣ እንታይ ክትገብሪ ከምዘለኪ ክትውስኒ ኣለኪ። ደረታትኪ እንታይ ከምዝኾኑ ባዕልኺ ትውስኒ። ብተወሳኺ ናይ ሞያዊ ሓገዝ እውን ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።