ሓደ ሰብ ክውለድ እንከሎ ብመሰረት እቶም ምስኡ ዝተፈጥሩ ኣካላት ስጋዊ ርክብ ወዲተባዕታይ ወይ ጓልአነስተይቲ ዝብል ጾታ ይወሃቦ። 

መብዛሕትኦም ሰባት ዘየማትእ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ናይ ጓልኣነስተይቲ ርሕሚ ሒዞም ክውለዱ እንከለዉ፣ ገለ ውሑዳት ግን ናይ ወዲተባዕታይን ናይ ጓልኣነስተይቲን መለለዪ ባህሪያት ብሓባር ሒዞም ይውለዱ።

እቲ ዝተውሃቦ ዓይነት ጾታ ሓደ ሰብ ንገዛእርእሱ ዝገልጸሉ ጾታዊ መንነት ስለዝኾነ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ባህሪኻ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን እንታይ ክትመስል ከምዘለካን፣ ከምኡድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ እንታይ ግደ ይህልወካ ንምውሳን ኣብ ልዕሊ ዘቐመጦም ትጽቢታት ጽልዋ የሕድር። ብተወሳኺ ንስኻ መን ከምዝሕመካን መን ከኣ ብኣኻ ከምዝሰሓብን ኣብ ምውሳን እውን ጽልዋ ኣለዎ። 

ጾታዊ መንነትን ጾታዊ መግለጺን

ጾታዊ መንነትካ እትልለየሉ ጾታኻ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ ወይ ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ (ወይ ጓል ወይ ወዲ) ተባሂሉ እዩ ዝፍለ። ንመብዛሕትኦም ሰባት፣ እዚ ምስቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ዝዛመድ እዩ። ንገዛእርእሶም በቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ዝገልጹ ሰባት ሲስጀንደርድ (cisgendered) ይበሃሉ።

ንገሌና እቲ ጾታዊ መንነት ብቐሊሉ ምስቶም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ዝብሉ ምድባት ብቐሊሉ ዝዛመድ እዩ፣ ገለ ሰባት ድማ እቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ምስቲ ሕጂ ዘለዎም ጾታዊ መንነት ዘይዛመድ ኮይኑ ክረኽቡዎ ይኽእሉ። ሽዕኡ ንስኻ ንገዛእርእስኻ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኢልካ ክትገልጽ ዘይትደልየሉ ተኽእሎ ይፍጠር። ከም ኣማራጺ፣ ንገዛእርእስኻ ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ኢልካ ክትገልጽ ክትደሊ ትኽእል ግን፣ ይኹን እምበር እዚ ምስቲ ክትውለድ እንከለኻ ዝተዋህበካ ጾታ ዘይዛመድ ይኸውን። ንገዛእርእሶም በቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ዘይገልጹ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ድርብጾታዊ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ዘይከም ጾታዊ መንነት፣ ጾታዊ መግለጺ ገለ ካልኦት ዝርእዩዎ ወይ ዘስተማቕሩዎ ነገር እዩ። ንኣብነት: ናይ ሓደ ሰብ ስም፣ ክዳን፣ ዝመርጾ ሳጓ፣ ጸጉሪ፣ ናይ ገጽ ጸጉሪ፣ ድምጺ፣ ባህሪ ወይከኣ ኣካላዊ መሸከል። መብዛሕትኦም ድርብጾታዊ ሰባት ነቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ዘይኮነስ ምስቲ ሕጂ ዘለዎም ጾታዊ መንነት ዝዛመድ ጾታዊ መግለጺ ክህልዎም ይደልዩ። 

ጾታን ጾታዊ ግደታትን

እቲ ሕብረተሰብ ካብ ሰብኣይ ወይ ካብ ሰበይቲ ዝጽበዮም ነገራት ኣለዉ፣ ከምኡድማ ሰብኣይን ሰበይቲን ኣብቲ ሕብረተሰብ (ጾታዊ ግደታት) እንታይ ግደታት ከምዝህልዎም ፈልዩ የቐምጥ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጾታ ይበሃል። 

እቲ ጾታ ነዞም ዝስዕቡ ክጸልው ይኽእል:

  • ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንታይ ክመስሉ ከምዘለዎም።
  • ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ከመይ ክኾኑ ከምዘለዎም።
  • ናይ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ መለለዪ ነገራት እንታይ ከምዝኾኑ።

እዞም ግደታትን ትጽቢታትን ከከም ባህሉን ሕብረተሰቡን ዝተፈላለዩ እዮም። እዚኦም ካብ ወለዲን ሕብረተሰብ ዝውረሱ እዮም። እቶም ግደታትን ትጽቢታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይቕየሩ ከምኡድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝያዳ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ክኾኑ ይኽእሉ። 

ኣብ ርክብ እውን፣ ሰብኣይን ሰበይቲን ዝተፈላለዩ ግደታት ኣለዉዎም። እቶም ናይ ሰብኣይን ሰበይቲን ግደታት ማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎም። 

ወሲባዊ ዝንባለ

ሰባት እተፈላለዩ ወሲባዊ ዝንባለታት ክህልዉዎም ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ሄትሮሴክሽዋሊቲ (ምስ ተቓራኒ ጾታ ምስሕሓብ)፣ ግብረሰዶማዊነት (ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ምስሕሓብ) ወይድማ ድርብጾታዊ (ምስ ክልቲኦም ጾታታት ምስሕሓብ)።

ገለ ሰባት እቶም ብኣካል ከምኡድማ/ወይድማ ብስምዒት ዝማረኹዎም ሰባት ጾታኦም እንታይ ምዃኑ ኣይግድሶምን።