ብዛዕባ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትካ ወይ ርክብካ ሕቶታት ወይ ጸገማት እንተለዉኻ፣ ንዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና ሞያውያን ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርያ ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ ከተዘራርቢ ኣለኪ። 

ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ናብ ስፔሻሊስት፣ ንኣብነት ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ወይ ናይ ስነኣእምሮ ሞያዊ ክሰደኪ ይኽእል እዩ።  እቲ ናይ ስነኣእምሮ ሞያዊ/ቴራፒስት ንኣብነት ኣብ እዋን ሻቕሎት፣ ምስ ኤችኣይቪ ትነብሪ እንተኾንኪናይ ርክብ ጸገማትገለ ወሲባዊ ጸገማት፣ ወዘተ ብዝምልከት ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ንገለ ሰባት ድማ፣ ናይ ስነ ስጋዊ ርክብ ሞያዊ ጽቡቕ ምርጫ ክኸውን ይኽእል።

ተመሃሪት እንተኾንኪ ድማ፣ ነቶም ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣገልግሎት ጥዕና እውን ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብኡ ንኣብነት ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ስምዒታዊ ጸገማት፣ ወሲባውነት፣ ወዘተ ካብ ናይ ጥዕና ሞያውያን ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

መብዛሕትኦም ምምሕዳር ከተማታት ዕድሚኦም ትሕቲ 20 ዓመት ንዝኾኑ መንእሰያት ናጻ ኣገልግሎት ዝህቡ ማእከላት ጥዕና መንእሰያት ኣለዉዎም። ብዛዕባ ጥንሲምንጻል ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲ፣ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ካልኦትን ማዕዳን ምኽሪን ይህቡ። 

ብዛዕባ እንታይ ኢኺ ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ክትዘራረቢ

ምስቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ብዛዕባ ኩሉ ፍቕራዊ ሚስጢራትኪ ከተዕልልዮ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት: 

ምስቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ከመይ ኢኺ ክትዘራረቢ

ንናይ ጥዕና ሞያዊ ከተዘራርቢ እንተደሊኺ፣ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታት ክጠቕሙኺ ይኽእሉ ይኾኑ:

  • ብዛዕባ እቲ ክትዛተይሉ እትደልዪዮ ጸገም ወይ ሕቶ ሕሰቢ; 
  • ካብቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እንታይ ከምትደልዪ ሕሰቢ። ንኣብነት: ማዕዳ፣ ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ መርመራ፣ ሪፈራል ናብ ስፔሻሊስት …
  • እቲ ክትዛረብሉ ዝደለኽዮ ኣርእስቲ ዝኸብደኪ እንተኾይኒ ግልጺ ግበሪሉ;
  • ጸገምኪ ወይ ሕቶኺ ማዕረ ዝኸኣልኪዮ ብንጹር ኣቕርቢ። ንኣብነት: ‘ክወትረኒ ኣይከኣለን’።
  • እንታይ ቃላት ክትጥቀሚ ከምትደልዪ ሕሰቢ; እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ መዝገበቃላት ክጠቕመኪ ይኽእል እዩ;
  • ገለ ክሕግዘኪ ዝኽእል እትኣምንዮ/እትኣምንያ ሰብ ምሳኺ ክትማልኢ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ዘሕፍሩ ሚስጢራዊ ኣርእስቲታት ንናይ ጥዕና ሞያዊ ምዝራብ የጸግም እዩ፣ ይኹን እምበር እዚ ኣክል ስርሖም እዩ። ንሳቶም ነዞም ኣርእስቲታት ብግቡእ እዮም ዝፈልጡዎም። 

ስትረት

ንናይ ጥዕና ሞያዊ ክትዛረቡ እንከለኹም ስትረትኩም ሕልው እዩ። እቶም ሞያውያን ንስኹም ዝነገርኩምዎም ሓበሪታ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኽእሉን።