ሕድሕድ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ክብሪ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝተፈላለየ እዩ። ክብሪ ብዙሕ ግዜ ሓደ ሰብ ኣብ በቲ ማሕበረሰብ ክረኽቦ ብዛዕባ ዝግበኦ ኣፍልጦን ዋጋን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ ኣፍልጦ ክወሃቦ እንተኾይኑ ገለ ከማልኦም ዝግበኦ ትጽቢታት ኣለዉ። ሓደ ሰብ እዞም ትጽቢታት ከማልእ እንተዘይክኢሉ፣ እቲ ሰብ እቲ ናይ ባዕሉ ወይከኣ ናይ ቤተሰቡ ክብሪ ባዕሉ ከምዝገሃሰ ተጌሩ ይውሰድ።

ናይቲ ቤተሰብ ክብሪ እንድሕር ተጋሂሱ ድማ፣ ቤተሰብ ሓደሓደ ግዜ ናይቲ ቤተሰብ ክብሪ ንምምላስ ሓይሊ ይጥቀም። ገለ ቤተሰባት ድማ እዚ ንምግባር መጥቃዕቲ ይፍጽሙ። ናይቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ከኣ ናይቲ ሰብ ወይከኣ ናይቲ ቤተሰብ ክብሪ ንምዕቃብ ወይድማ ነቲ ዝጠፍአ ክብሪ ንምምላስ እዩ። እዚ ምስ ክብሪ ዝዛመድ መጥቃዕቲ ይበሃል።

ናይቲ ቤተሰብ ክብሪ ብዙሕ ግዜ ምስተን ኣብቲ ቤተሰብ ዘለዋ ኣንስቲ ዝዛመድ እዩ፣ ይኹን እምበር ኩሎም ኣወዳትን ኣዋልድን፣ ሰብኡትን ኣንስቲን ንኣብ ክብሪ ዝተደረኹ መጥቃዕቲታት ይቃልዑ እዮም። ንኣብነት እንድሕር:

  • ድንግል ኣይኮነትን ተባሂላ ትሕመ ጓል እንተልያ፣
  • ገለ ሰብ ቅድሚ መርዓ ርክብ (ወሲባዊ) መስሪቱ ዝብል እምነት እንተልዩ
  • ገለ ሰብ ምዱብ መርዓ ኣይቅበልን እንተይሉ፣
  • እቶም ቤተሰብ ወይ ክኢላታት ዘይደልዩዎ ኣገዳድና ዝተኸተለ ሰብ እንተልዩ፣
  • ምንጻል ጥንሲ ከተካይድ ዝሓሰበት ሰብ እንተልያ።

ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ክልኩል እዩ። ስለዚ፣ ኣብ ክብሪ ዝተደረኸ መጥቃዕቲ እውን ብሕጊ ክልኩልን ዘቕጽዕን እዩ። 

ዓይነታት ኣብ ክብሪ ዝተደረኹ መጥቃዕቲታት

ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት፣ ሰብኡት ካብ ኣንስቲ ዝዛይድ ናጽነትን ሓይሊን ኣለዎም። ናይ ሰብኣይን ሰበይቲን ግደታት (ጾታዊ ግደታት) ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም። መብዛሕትአን ናይ ኣብ ክብሪ ዝተደረኸ መጥቃዕቲ ግዳያት ኣንስቲ ዝኾናሉ ምኽንያት እዚ እዩ።

ኣብ ክብሪ ዝተደረኸ መጥቃዕቲ ብዙሓት መልክዓት ኣለዉዎ፣ ንኣብነት:

  • ቁጽጽር: ብኣባላት ስድራቤት ቁጽጽር ስለዝግበረልኪ ምስ ኣዕሩኽትኺ ደገ ክትወጺ ወይ ኣካላዊ ንጥፈታት ክትገብሪ ኣይትወጺን።
  • ኣካላዊ መቕጻዕቲ: ንስኺ ትርግሒ ወይ ትህረሚ።
  • ስነኣእምሮኣዊ መቕጻዕቲ: ዘቐይም ዘረባ ይዝረበኪ ወይ የፈራርሑኺ፣ እቶም ካልኦት ኣባላት ናይቲ ስድራቤት ኣየዛርቡኺን፣ ናባኺ ኣይርእዩን ከምዘለኺ እውን ኣይቖጽሩኺን። 
  • ብዘይድልየትኪ ክትምርዓዊ ትግደዲ (ኣስገዳድ መርዓ)።
  • ርእሰቕትለት ክትፍጽሚ ትግደዲ።
  • ብካልእ ኣባል ስድራቤት ትቕተሊ። 

ሓደሓደ ግዜ ሰብኡት እውን ኣብ ክብሪ ዝተደረኸ መጥቃዕቲ ይበጽሖም እዩ፣ ንኣብነት ግብረሰዶማውያን እንተኾይኖም ወይከኣ ምዱብ መርዓ እንድሕር ዘይተቐቢሎም።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ኩሉግዜ ናይቲ ግዳይ ኣዝማድ እዮም። ኣብ ገለ እዋናት ድማ ናይታ ግዳይ መጻምድቲ እዩ። ካብ ሓደ ዝዛይዱ ኣባላት ስድራቤት ነዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት እቲ መጥቃዕቲ ናይቲ ስድራቤት ክብሪ ንምምላስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ካልኦት ሰባት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። 

ሓገዝ ምርካብ

ኣብ ክብሪ ዝተደረኸ መጥቃዕቲ እንድሕር በጺሑኪ ወይከኣ ከይበጽሐኪ ስግኣት እንተልዩኪ፣ ሓገዝ ሕተቲ:

  • ንገለ እትኣምንዮ ሰብ ተዛረቢ።
  • ናብ ቤት-ትምህርቲ እንተኼድኪ፣ መማህራንኪ ክሕግዙኺ ክትሓትዮም ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባ ናይ መጥቃዕቲ ፍርሒኺ ተዛረቢ። ብርግጽ እንታይ ከምዘፍርሓኪ ንገርዮም። ሽዑ መምህራንኪ ዝያዳ ክሕግዙኺ ይኽእሉ።
  • ክሕግዙኺ ዝኽእሉ ስፔሻላይዝድ ትካላት ወይከኣ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ኣዘራርቢ።
  • ኣብ ከባቢኺ ንዝርከብ ናይ ቅልውላው ማእከል ኣዘራርቢ። 
  • ንፖሊስኪ ኣዘራርቢ። ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ተዛረቢ። ብጭቡጥ እንታይ ከምዘጋጠመኪ ንገርዮም። ሽዕኡ እቶም ፖሊስ ክሕግዙኺ ይኽእሉ።

ኣብ dinutvei.no ብኸመይ ሓገዝ ክትረኽቢ ከምትኽእሊ ዝገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ምርካብ ትኽእሊ ኢኺ