ኣብ ርክብኪ ቅንኢ እንድሕር የጥቀዐኪ ኣሎ ኮይኑ፣ ናይ መጻምድትኺ ወይ ናቱ/ናታ ቆላሕታ ከይትስእንዮ ፈሪሕኺ ኣለኺ ማለት እዩ። ዘይውሑስ ስምዒት ክፍጠረኪ ይኽእል። 

ብተወሳኺ መጻምድትኺ እውን ክቐንእ ይኽእል እዩ።

ናይ ቅንኢ ስምዒታት ንቡራት እዮም። እቲ ቅንኢ ኣዝዪ እናሓየለ እንተመጽዩ፣ ንዓኺን ንመጻምድትኺን ጸገም እናኾነ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ንስኺ ወይከኣ መጻምድትኺ ንሓድሕድኩም ከምትፋተዉ ንምርግጋጽ ቀናኣት ክትኮኑ ናይ ግድን ኣይኮነን። 

ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ብናይ ቅንኢ መንፈስ ገለ እንተጌሩ፣ እቲ ቅንኢ ካብ ምንታይ ከም ዝነቐለ ንምርዳእ ፈትኑ። እቲ ቅንኢ ኣብ ክልቴኹም መጻምድቲ ብዛዕባ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከምኡድማ ብዛዕባ ትጽቢታትኩምን ደረታትኩምን ተዘራረቡ።