ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ከምኡድማ/ወይድማ ወሲባዊ ምቅርራብ (ርክብ) ዘለዎም 2 ሰባት ዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ማለት እዩ። ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ማዕርነት ዘይምህላዉ ዘርኢ እዩ።

ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዝግበር መጥቃዕቲ ብሕጊ ክልኩል እዩ። 

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኩሎም ደረጃታት መነባብሮን ባህሊታትን ሕብረተሰብ ዘጋጥም እዩ።

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ዓይነታት

4 ዓይነታት ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ኣለዉ:

  • ስነኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ፣ ንኣብነት: ንመጻምድትኻ ምጽራፍ፣ ምውራድ፣ ምፍርራሕ ወይድማ ሸለል ምባል። 
  • ኣካላዊ መጥቃዕቲ፣ ንኣብነት: ምውቃዕ፣ ምርጋሕ፣ ምግንጫር፣ መጻምድትኻ ጎዳእቲ ነገራት ክትገብር ወይ ክትጻወር ምግዳድ (ንኣብነት: ኣብ ብውዑይ ማይ ሰውነታ ክትሕጸብ ምግባር)።
  • ወሲባዊ መጥቃዕቲ፣ ንኣብነት: መጻምድትኻ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ምግዳድ (ምዕማጽ) ወይድማ ንሱ/ንሳ ዘይደልየም/ዘይትደልዮም ወሲባዊ ተግባራት ክፍጽሙ ምግዳድ። 
  • ኢኮኔምያዊ መጥቃዕቲ፣ ንኣብነት: ብዘይ ናይ መጻምድትኻ ፍቓድ ብናይ ባዕልኻ ወይ ብናይ መጻምድትኻ ገንዘብ ገለ ነገር ንምግባር ምውሳን፣ እኹል ዘይኮነ ናይ ገዛ ኣስቤዛ ገንዘብ ምሃብ፣ ንዕኡ/ንዓኣ ኣገደስቲ ነገራት ከይዕድጉ ምኽልካል። 

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ምፍታሕ

ዘተኹም ናብ መጥቃዕቲ ዘምርሕ እንተመሲሉ፣ ዋላ ንሓጺር ግዜ ናብ ውሑስ ቦታ ኪዲ። ውሑስነትኪ ምሰረጋገጽኪ፣ እንታይ ከምዘድልየኪን እንታይ ክትገብሪ ከምዘለኪን ክትሓስቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕታ ባዕልኻ ምፍታሕ ኣጸጋሚ እዩ። ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። ምስ ከም ዶክተር፣ ፖሊስ ወይ ናይ ቅልውላው ማእከላት ዝኣመሰሉ ሞያዊ ኣገልግሎታት ርክብ ግበሪ። እንተደሊኺ ድማ ገለ እትኣምንዮ ሰብ ምሳኺ ክኸውን ክትሓትዮ ትኽእሊ ኢኺ። ብተወሳኺ ናብቲ ናይ መጥቃዕቲ ሓገዝ ዝህብ መስመር ተሌፎን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ dinutvei.no ብኸመይ ሓገዝ ክትረኽቢ ከምትኽእሊ ዝገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

ሞያውያን ኣብ ልዕሌኺ ከይፈረዱ ከዳምጹኺ እዮም። ብተወሳኺ ስትረትኪ ክሕልዉልኪ እዮም

ካብቲ መጥቃዕቲ ንምርሓቕ፣ ርክብኪ ከተፍርሲ ወይ ምስ መጻምድትኺ ክትፈላለዪ ናይ ግድን ኣይኮነን። ኩሉግዜ ኣብ እትገብርዮ ውሳነታት ብዛዕባ ናትኪ (ከምኡድማ ቆልዑትኪ) ውሑስነትን ሰላምን ክትሓስቢ ኣለኪ። 

ትሑት ርእሰተኣማማንነት ዘለኪ፣ በዳሊት ዝኾንኪ ወይ ሕፍረት እንድሕር ተሰሚዑኪ፣ ንገዛእርእስኺ ኣይትንቀፊ። እዞም ስምዒታት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ዝወልዶም እዮም። 

በዳሊ እንተኾንካ፣ ኣብ መጻኢ እዋን ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ካብ ምድጋም ዘናግፈካ ሓገዝ ከተናዲ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሞያዊ ሓገዝ ኣናዲ።