ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ደረት ኣለዎ። ደረታትካ ናይ ሰብእናኻ ኣካላት እዮም። ደረታትኪ ክኽበሩልኪ ናይ ምግባር መሰል ኣለኪ። ደረታትኪ ዘየኽብር ሰብ ንዓኺ ክብሪ ዘይብሉ ሰብ ስለዝኾነ ከምሰብ ንዓኺ ይጎድኣኪ እዩ። ደረታትኪ እንድሕር ተጋሂሶም፣ ብዛዕባኡ ገለ ናይ ምግባር መሰል ኣለኪ። ኣብ ርክባት ዘለዉ ደረታት ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ገለ ንመጻምድትኺ ቅቡል ዝኾነ ነገር ንዓኺ ቅቡል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ዘጋጠመ ነገራት ሕማቕ ክስመዓኪ እንከሎ መጻምድትኺ ደረታትኪ ከምዝገሃሰ ክትፈልጢ ትኽእሊ። ገለ ሰብ ገለ ንስኺ ዘይትደልዪዮ ነገር ክገብር እንከሎ ደረታትኪ ተጋሂሶም ኣለዉ ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናትኪ ደረታት ኣበይ ከምዝኾኑ ከምኡድማ ናይ ካልኦት ደረታት ኣበይ ከምዝኾኑ ምልላይ ከቢድ እዩ። ስለዚ እዩ ብዛዕባኦም ምዝርራብ ኣገዳሲ ዝኸውን። ደረታት ኣበይ ከምዝኾኑ ንኻልኦት ሰባት ንገሪ፣ ከምኡድማ ናይ ካልኦት ደረታት ኣበይ ከምዝኾኑ ፈሊጥኪ ንኸይትግህስዮም ጥንቃቐ ክትገብሪ ኣለኪ።

ይኹን እምበር ብግልጺ ደረታት ዝግህሱ ገለ ነገራት ኣለዉ። እዚኦም ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ:

እዚኦም ኩሎም ናይ መጥቃዕቲ ዓይነታት ስለዝኾኑ ክትጻወሩዎም ኣይግባእን። ገለ ሰብ ደረታትኪ እንድሕር ግሂሱ፣ ናብ ጣብያ ፖሊስ ብምኻድ ወይ ናብ ማእከል ምኽሪ ብምኻድ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

ክልቲኦም መጻምድቲ ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ምኽኣሎም ኣገዳሲ እዩ። እዚ ደረታቶም ከኽብሩ ክሕግዞም ይኽእሉ። ክልቲኦም እንታይ ክግበር ከምዝኽእልን እንታይ ክግበር ከምዘይኽእልን ክስማዕምዑ ኣለዎም። ዝኾነ ሰብ ካልእ ሰብ ገለ ነገር ክገብር ንምግዳድ ኣካላዊ ወይ መንፈሳዊ መጥቃዕቲ ክጥቀም ኣይፍቀደሉን። ክልቲኦም ናይ ሕድሕዶም ማዕርነት ዝቕበሉ መጻምድቲ ክኾኑ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ሰብ ሓይሊ ክህልዎ ኣይግባእን። ክልቲኦም መጻምድቲ ንሓድሕዶም ክተሓላለዩን ክከባበሩን ኣለዎም።

ኣይፋል ምባል

ደረታትኪ ዝተግሃሱ ኮይኑ እንድሕር ተሰሚዑኪ፣ ኣይፋል ክትብሊ ኣለኪ።

ሓደሓደ ግዜ ገለ ዘይትደልይዮ ነገር ይፍጸም ከምዘሎ ብግልጺ ይስመዓኪ፣ ግን ክትገልጽዮ ኣይትደልዪን። ጽቡቕ ሕራይ ምኽንያት ውሳነኺ ከተረድኢ ኣይትግደዲን። "ኣይፋል" እኹል መልሲ እዩ። መጻምድትኺ ናይ ግድን ውሳነኺ ከኽብረልኪ ኣለዎ።

ብፍላይ ንመጻምድትኺ ሓያል ፍቕሪ እንድሕር ኣኪ ኮይኑ፣ "ኣይፋል" ምባል ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንዓኣ / ንዕኡ ከይትስእንዮ ክትፈርሒ ትኽእሊ ኢኺ። ይኹን እምበር ኣይፋል ምባልኪ ኣገዳሲን ግቡእን እዩዩ። እዚ ንመጻምድትኺ ደረታትኪ ኣበይ ከምዝኾነ ብግልጺ የርእዮ።

ዘይትደልይዮ መብጽዓ ንመጻምድትኺ ኣይትመባጽዒ። ብግልጺን ብትረትን "ኣይፋል" በሊ። እዚ ክትገብሪ እንከለኺ፣ ማዕረ ዝኸኣልክዮ ንመጻምድትኺ እቲ ሓቂ ንገርዮ። እንተኽኢልኪ እቲ ነገር ክትገብርዮ ዘይደለኽሉ ምኽንያት ንገርዮ / ያ። ኣድላይ እንተኾይኑ መልእኽትኺ ድገምዮ። ናይ በዳልነት ስምዒት ክስመዓኪ የብሉን። መጻምድትኺ ነቲ "ኣይፋል" ዝብል ምላሽኪ እንድሕር ዘይተቐቢሉዎ፣ ሓገዝ ሕተቲ። እትኣምንዮ መቕርብኪ ድለዪ። ወይ ድማ ናብ ናይ ምኽሪ ማእከል ኬድኪ ሞያዊ ሓገዝ ሕተቲ።

መጻምድትኺ ብተደጋጋሚ ዘይትደልዪዮም ነገራት ክትገብሪ ዘገድደኪ እንተኾይኑ፣ ንሱ / ንሳ ብርግጽ ንዓኺ ግቡእ መጻምድቲ ድዩ ዝብል ሕቶ ንገዛእርእስኺ ሕተቲ።

ወሲባዊነት ዝተላበሰ መጥቃዕቲ

ዝኾነ ሰብ ንስኺ ዘይትደልዪዮ ነገር ንኽትገብሪ ከገድደኪ መጥቃዕቲ ወይከኣ መጥቃዕታዊ ምፍርራሕ እንተተጠቒሙ፣ እዚ ኣስገዳድነት ይበሃል። አስገዳድነት ደረታትኪ ይግህስ።

ስነወሲባዊ መጥቃዕቲ ገለ ሰብ ወሲባዊ ትርጉም ዘለዎም ቃላት ወይ ተግባራት ተጠቒሙ ከጥቅዓኪ ከምኡድማ ብኣኣቶም ኣሉ ከዋርደኪ ክደሊ እንከሎ ማለት እዩ። እዚ ሰብ ንገዛእርእሱ ሓያል ከምዝኾነ መታን ክስመዖ ደረታትኪ ኣየኽብርን።

ስነወሲባዊ መጥቃዕቲ ብዙሕ መልክዓት ኣለዎ። ንኣብነት፣ ወሲባዊ ቃላት ተጠቒምካ ብምጽራፍ፣ ኣብ ሕፍረታዊ ቦታታት ዘየድሊ ምትንኻፍ ብምግባር ወይድማ አስገዳድ ወሲባዊ ንጥፈታት ብምግባር ክግለጽ ይኽእል።

ስነወሲባዊ መጥቃዕቲ ልክዕ ከም ካልእ መጥቃዕቲ ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ ከም ገበን ስለ ዝቑጸር ሪፖርት እንድሐር ተጌሩ ፖሊስ ክትትል ይገብረሉ።

ስነወሲባዊ መጥቃዕቲ ብመጻምድቲ፣ ኣባላት ስድራቤት፣ ኣዝማድ፣ ኣዕሩኽቲን ኣጋይሽን ክፍጸም ይኽእል።

ሓገዝ ምርካብ

ስነወሲባዊ መጥቃዕቲ እንድሕር በጺሑኪ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ወይከኣ ሕፍረት ክስመዓኪ የብሉን። ብዙሓት ብኡኡ ዝተጎድኡ ሰባት ኣለዉ። ሓገዝ ኣናድዪ: