ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ሰብኣይን ሰበይቲን ብዙሕ ምዕራፋት ወሲባዊ ምርስሳን የስተማቕሩ። ሕድሕድ ሰብ እዞም ምዕራፋት ብዝተፈልየ ኣገባብ የስተማቕሮም። እቶም ምዕራፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ብንውሓት ጻንሖትን ጻዕቂን እውን ይፈላለዩ። እዞም ምዕራፋት ከም ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ:

ቃሕታ

ወሲባዊ ቃሕታ ኣለካ ማለት ስጋዊ ርክብ ክትገብር ደሊኻ ኣለኻ፣ ክትትንከፍን ንመጻምድትኻ ወይ ንገዛእርእስኻ ክትትንክፍን ቃሕ ይብለካ ኣሎ ማለት እዩ።

ወሲባዊ ምርስሳን

ንመጻምድቲኻ ወይ ንገዛእርእስኻ ብምትንካፍ ኣብ ወሲባዊ ረስኒ ክትበጽሕ ትኽእል። ናትካ ሰውነት / ናይ መጻምድትኻ ሰውነት ነቲ ወሲባዊ ምርስሳን ምላሽ ክህብ እዩ።

  • እታ ርሕሚ ትትርክስ (ሰበይቲ)።
  • ከናፍር ርሕሚ ይንፍሑ (ሰበይቲ)።
  • እቲ በዓታዊ ክፋል ጭንቅራ ብደም ይምላእ፣ እቲ ጭንቅራ ግዝፈቱ ይውስኽ፣ ንላዕሊ ቅንዕ ይብልን ኣዝዩ ተኣፋፊ ይኸውንን (ሰበይቲ)።
  • እተን መቑለመታት ይተራ (ሰበይቲ)።
  • እቲ በዓታዊ ክፋል መትሎ ብደም ይምላእ፣ እቲ መትሎ ይተርር፣ ይገዝፍን ንላዕሊ ይቐንዕን: እዚ ረስኒ እዩ (ሰብኣይ)
  • ቁሩብ ፈሳሲ ካብቲ መትሎ ክነጥብ ይኽእል (ሰብኣይ)።
  • ህርመት ልቢ ይዛይድ (ሰብኣይን ሰበይቲን)።

ብዛዕባ መጻምድትኻ ወሲባዊ ስምዒታት ከተንጸባርቕ ኢኻ ወይድማ ወሲባዊ ሕልሚታት ኣብ ሓንጎልካ ክመላለሱኻ እዮም።

ወሲባዊ ምርስሳንካ እናሓየለ ይመጽእ። እዚ ኣዝዩ ጽዑቕ፣ ዘሕጉስ ስምዒት እዩ።

ጥርዘውነ

ጥርዘውነ ማለት ኣብ ውሽጢ ደምካ ወሲባዊ ሓይሊ ምፍናው ማለት እዩ:

ተዛንዮ

ድሕሪ ጥርዘውነወሲባዊ ምርስሳን ቀስብቐስ እናዘሓለ ይመጽእ እቲ ሰውነት ከኣ ናብ ህድኣት ይምለስ። ድሕሪ ጥርዘውነ፣ ሓደሓደ ግዜ እቲ ሰውነት ድሕሪ ጥርዘውነ ቁሩብ ድኻም ክስምዖ ይኽእል።