ስጋዊ ርክብ ተሪር መትሎ ናብ ርሕሚ ወይ ናብ መሃንቱስ ክሰሉኽ ብምግባር እዩ ዝፍጸም።

ምስላዅ ናብ ርሕሚ

ኣብ ወሲባዊ ምርስሳን ዘሎ ሰብኣይ ክወትሮ ይኽእል። እቲ መትሎ ብደም ይንፋሕ። ዝያዳ ይገዝፍን ይተርርን ከምኡድማ ይቐንዕ።

እታ ሰበይቲ ክወትራ እንከሎ ርሕማ ይትርክስ። እዚ ነቲ መትሎ ናብ ርሕሚ ክኣቱ ይሕግዞ።

እታ ኣደ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ጥራይ እያ ክትጠንስ ትኽእል:

ኣብቲ እዋን እቲ ቆልዓ ክትወልዲ ዘይትደልዪ እንተኾንኪ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ

ሰብኣይን ሰበይቲን ስጋዊ ርክብ እናገበሩ። እቲ ጠመተ ኣብቲ ናብ ርሕሚ ዝሰሉኽ ዘሎ መትሎ እዩ።
ዕምቆታዊ ዝርዝራት እቲ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ዘሎ መትሎ ካብ ውሽጢ ክረኣይ እንከሎ።
ዕምቆታዊ ዝርዝራት እቲ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ዘሎ መትሎ ካብ ውሽጢ ክረኣይ እንከሎ። ዕልቋቕ ካብ መትሎ ወጺኡ ናብ ማህጸን ይኣቱ ኣሎ።

ምስላዅ ናብ መሃንቱስ

ሰብኣይን ሰበይቲን ወይከኣ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ መትሎ ናብ መሃንቱስ ብምስላዅ ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም (ናይ መዓኮር ስጋዊ ርክብ)።

መትሎ ካብ ናብ ርሕሚ ናብ መሃንቱስ ክኣቱ ግዜ ክወስደሉ ይኽእል። ኣብ ልዕሊ ጭዋዳታት መሃንቱስ ሃስያ መታን ከይተስዕብ ቀስ ኢልካ ግበር። የሕምም እንኾይኑ ዕረፍቲ ውሰድ።

መሃንቱስ ባዕሉ ንገዛእርእሱ ኣየተርክስን። ናይ መዓኮር ስጋዊ ርክብ መቐንዘዋይ ከይኸውን ንምክልኻል መለሳለስቲ ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ብመሃንቱሳ ስጋዊ ርክብ ስለዝተገበረት ክትጠንስ ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር፣ ዕልቋቕ ናብ ርሕሚ ከይልሑኽ ምጥንቃቕ የድሊ።

ናይ ስጋዊ ርክብ ምኽንያታት

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ትኽእለሊ ኢኺ፣ ንኣብነት:

  • ቆልዑት ንምውላድ (ብርሕሚኺ እንተተጌርኪ ጥራይ);
  • ወሲባዊ ፍስሃ ንምራክብ;
  • ፍቕሪን ካልኦት ስምዒታትን ንምግላጽ;
  • ምቅርራብ ንምስትምቓር;
  • ንምዝናይ…

ፍልልይ

ስጋዊ ርክብ ብዝገበርኪ ቁጽሪ ኩሉግዜ ኣብ ጥርዘውነ ክትበጽሒ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ኩሉ ግዜ ኣይኮኑን ኣብ ጥርዘውነ ዝበጽሑ።

ስጋዊ ርክብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ: ተገዲምኪ፣ ኮፍ ኢልኪ፣ ብጠጠውኪ ወይከኣ ተኾይጥኪ።
ካብ ወሲባዊ ርክብ ብተወሳኺ፣ ካልኦት ዓይነታት ስጋዊ ርክብ እውን ኣለዉ።

ብዛዕባ ትምኒታትኪን ስምዒታትኪን ምስ መጻምድትኺ ኣዕልሊ። ክልቴኹም ተማኺርኩም ንኽልቴኹም ዝምቹ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ስጋዊ ርክብ ኣብነት 1: እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ለጥ ኢሉ። እታ ሰበይቲ ኣእጋራ ዘርጊሓ።
ስጋዊ ርክብ ኣብነት 2: እታ ሰበይቲ ብኣእዳዋን ኣብራኻን ተጎምቢሓ ኣላ። እቲ ሰብኣይ ብድሕሪታ ብብርኩ ተምበርኪኹ ኣሎ።
ስጋዊ ርክብ ኣብነት 3: እቲ ሰብኣይ ጠጠው ኢሉ። እታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኢላ። እቲ ሰብኣይ ሓደ እግራ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሉ ሒዙዎ።
ስጋዊ ርክብ ኣብነት 4: እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይቲን ጎኒ ንጎኒ ተገዲሞም፣ እቲ ሰብኣይ ብድሕሪት እታ ሰበይቲ።
ስጋዊ ርክብ ኣብነት 5: እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ተቐሚጣ ኢላ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ከምኡድማ ኤችኣይቪ ብስጋዊ ርክብ ክትተሓዝ ትኽእል ኢኻ። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ንገዛእርእስኻን ንመጻምድቲኻን ንምክልኻል ኮንደም ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።