እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዲ ደቂሰባት ዝርከቡ ጭዋዳታት እዮም። 

እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ ደቂሰባት ተኽ ኢሎም ጠጠው ክብሉ ይሕግዙ። ንሳቶም ምስ ናይ ከብዲ፣ ዝባንን መተንፈሲ ኣካላትን ጭዋዳታት ተሓባቢሮም ይሰርሑ። ነቲ ከረጢት ሽንቲ፣ መዓናጡ (ሰበይቲን ሰብኣይን) ከምኡድማ ማህጸን (ሰበይቲ) ኣብ ግቡእ ቦታኦም ከምዝኾኑ ጌሮም ይሕዙዎም፣ ኣብ እዋን ጥንሲ ንማህጸንን ነቲ ዕሸልን ደግፍ ይገብሩ፣ ተዓጻጻፍነቶም ተጠቒሞም ንመስርሕ ምስትንፋስ ይሕግዙ፣ ሽንቲን ኩስሒን ኣምሊጦም ካብ ሰውነት ከይወጹ ይከላኸሉ (ሰበይቲን ሰብኣይን)፣ ኣብ ወሲባዊ ፍስሃን ወሲባዊ ጥዕናን (ሰበይቲን ሰብኣይን) ግደኦም ይጻወቱ። እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ግድግዳ ንሕና ብዛዕባኦም ከይሓሰብና ብግዲ ስርሖም ይሰርሑ። ግን ክስልጥኑንን ክጥንክሩን እውን ይኽእሉ እዮም። እዚ ተመጠጥቲን ተዓጻጸፍቲን ኮይኖም ክቕጽሉ የኽእሎም።

ሰበይቲ

ኣብ እዋን ጥንሲ እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ግድግዳ እቲ ማህጸንን እቲ ዕሸልን ኣብ ቦትኦም ከምዝቕጽሉ ይገብሩ። ኣብ እዋን ሕርሲ እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ ብዙሕ ይውጠጡ። ኣብ እዋን ሕርሲ ነቲ ህጻን ይሕግዙዎ። ድሕሪ ሕርሲ እቶም ጭዋዳታት መሊሶም ድልዱላትን ተዓጻጸፍቲን ንክኾኑ ስልጠና የድልዮም። እታ መሕረሲት ወይከኣ ዶክተር ምኽሪን ሓበሬታ ክህቡኺ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ብንቕሓት ተዛኒኺ ነቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ እንድሕር ወጢርክዮም፣ ወሲባዊ ፍስሃኺ ክብ ከተብሊ ትኽእሊ ኢኺ። መጻምድትኺ እውን ልዑል ፍስሃ ከስተማቕር ይኽእል።

ሓደሓደ ግዜ እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ ቅድሚ ወይ ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ኣዝዮም ይወጣጠሩሞ እታ ርሕሚ ከኣ ኣዝያ ትጸብብ። ሽዕኡ መትሎ ናብ ርሕሚኺ ክሰሉኽ እንከሎ ኣዝዩ መሕመሚ ይኸውን፣ ወይከኣ ፈጺሙ ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል። እዚ እንድሕር ኣጋጢሙኪ፣ ጭዋዳትትኪ ኣዝዮም ክጨናነቑ ዝገብሮም ዘሎ እንታይ ከምዝኾነ ከተለልዪ ፈትኒ። ብዛዕባዚ ንመጻምድትኺ ምንጋር ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ ካብ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠበተ ኣብቲ ካብ ውሽጢ ዝረኣይ ጎሎ እዩ።
ዕምቆታዊ ዝርዝር ጎሎ ጓልኣነስተይቲ: 1. ሓገዝቲ ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ 2. ከረጢት ሽንቲ፣ 3. ፍሕኛ ከምኡድማ 4. ማህጸን።

ሰብኣይ

እቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ ነቲ ሰብኣይ ከም ዝወትሮ ይገብሩ። 

ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ። እቲ ጠበተ ኣብቲ ካብ ውሽጢ ዝረኣይ ጎሎ እዩ።
ዕምቆታዊ ዝርዝር ጎሎ ወዲተባዕታይ: 1. ሓገዝቲ ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ 2. ከረጢት ሽንቲ ከምኡድማ 3. ፍሕኛ።