ዕልቋቕ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ዝፍጠር:

  • እቶም ፍረነብሲታት ሚልዮናት ዋሃዮታት ፍረዘርኢ የመንጭዉ። 
  • እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ይበስሉሞ ኣብ ረቀቕቲ ትቦታት ፍረዘርኢ ይኽዘኑ።
  • እቲ ሰብኣይ ኣብ ምፍሳስ ክበጽሕ እንከሎ፣ እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ በቶም መንገድታት ፍረዘርኢ ተደፊኦም ይወጹ።
  • እቶም ዋህዪታት ፍረዘርኢ ናብ ፕሮስቴትን ናብ ከረጢታት ዕልቋቕን ይግዕዙ። ፈሳሲ እውን ኣለዎም። እቲ ናይ ዕልቋቕ ፈሳሲ ምስ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ብሓባር ተሓዊሱ ዕልቋቕ ይፈጥር። 
  • እቲ ዕልቋቕ በቲ መትረብ ሽንቲ ገይሩ ንደገ ይፈስስ።
ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ። እቲ ጠመተ ኣብቲ ዝወተረ መትሎ እዩ።
ካብ ውሽጢ ዝረኣይ መትሎ: 1. ፍረነብሲታት፣ 2. ረቀቕቲ ትቦታት ፍረዘርኢ፣ 3. መንገድታት ፍረዘርኢ፣ 4. ከረጢታት ዕልቋቕ፣ 5. ፕሮስተይት፣ 6. መትረብ ሽንቲ

ሰብኣይ መዓስ ይጸጊ?

ሓደ ሰብኣይ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ እዋን ጉብዝና ዕልቋቕ የመንጩ። መብዛሕትኦም ኣወዳት ኣብ መንጎ 12 ከምኡድማ 15 ዓመት ዕድመኦም ይጸግዩ። ሽዕኡ ቆልዑ ክወልዱ ይኽእሉ። ዋላ ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ዝገብረሉ እዋን

ሰብኣይ ምሉእ ዕድመኡ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ የመንጩ። ሙሉእ ዕድመኡ ቆልዑት እናወለደ ክነብር ይኽእል እዩ።

መከላኸሊ ጥንሲ: ኣውጺእኻ ምፍሳስን መምከኒ ምጥቃምን

ሓንቲ ሰበይቲ ክትጠንስ ትኽእል ኣብቲ ትጸግየሉ መዓልቲታት ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ብርሕሚ ኣቢሎም ናብ ማህጸና እንተኣትዮም ጥራይ እዩ። 

ሓደ ሰብኣይ ቅድሚ ዕልቋቕ ምፍሳሱ፣ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ክህልዉዎ ዝኽእሉ ቁሩብ ፈሳሲ ከንጥብ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ዕልቋቕ ምፍሳስካ መትሎ ምውጻእ ሙሉእብሙሉእ ዘተኣማምን መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኮነን

መምከኒ ዝተጠቕመ ሰብኣይ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ዘይብሉ ዕልቋቕ የመንጩ። ብስሩዕ ኣገባብ ስጋዊ ርክብ ክገብር ይኽእል እዩ።