ብግልጺ ዝረኣዩ ቅሉዓት (ደጋዊ) ወሲባዊ ኣካላት ሰብኣይ እዞም ዝስዕቡ እዮም: 

እቲ ኣንፊ መትሎ ተኣፋፊ ጫፍ መትሎ እዩ። እቲ ቆቢዕ መትሎ ኣብ ዙርያ ነቲ ኣንፊ መትሎ ከቢቡ ዝሸፈነ እዩ። እቲ ቆቢዕ መትሎ ንድሕሪት ክትከብሶ ከምኡድማ ንቕድሚት ክሰሓብ ይኽእል እዩ። መትሎ ከምኡድማ/ወይድማ ኣንፊ መትሎ ምትንካፍ ወይ ምድራዝ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መብዛሕትኦም ደቂተባዕትዮ ወሲባዊ ምርስሳን ከምኡድማ ወሲባዊ ፍሳሃ ዝፈጥር ክኸውን እንከሎ፣ ናብ ጥርዘውነ ስጋዊ ርክብ እውን ከምርሕ ይኽእል። ገለ ሰብኡት ዝተኸንሸቡ እዮም። ስለዚ ቆቢዕ መትሎ፣ ወይ ክፋል ቆቢዕ መትሎ የብሎምን። 

እቲ መውጽኢ ሽንቲ ኣብ ኣንፊ መትሎ እዩ ዝርከብ። 

ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ። እቲ ጠመተ ኣብቶም ብግልጺ ዝረኣዩ ወሲባዊ ኣካላት እዩ።
ብግልጺ ዝረኣዩ ቅሉዓት ወሲባዊ ኣካላት ሰብኣይ እዞም ዝስዕቡ እዮም: 1. መትሎ፣ 2. ኣንፊ መትሎ፣ 3. ከረጢት ፍረ ነብሲ። ኣብ ዙርያ ኣንፊ መትሎ: 4. ቆቢዕ መትሎ፣ ኣብ ውሽጢ: 5. መውጽኢ ሽንቲ።
ብግልጺ ዝረኣዩ ቅሉዓት ወሲባዊ ኣካላት ሰብኣይ እዞም ዝስዕቡ እዮም: 1. መትሎ፣ 2. ኣንፊ መትሎ፣ 3. ከረጢት ፍረ ነብሲ። ኣብ ዙርያ ኣንፊ መትሎ: 4. ቆቢዕ መትሎ፣ ኣብ ውሽጢ: 5. መውጽኢ ሽንቲ።

መትሎን ከረጢት ፍረነብሲን

እቲ መትሎ 2 ተግባራት ይፍጽም:

  1. እቲ መትሎ እንድሕር ለስሊሱ: ሽንቲ በቲ መትሎ ኣቢሉ ካብ ሰውነት ይወጽእ;
  2. እቲ መትሎ እንድሕር ተሪሩ (ረስኒ): ዕልቋቕ በቲ መትሎ ኣቢሉ ካብ ሰውነት ይወጽእ።

ዕልቋቕን ሽንትን ብሓንሳብ ካብ መትሎ ክወጽአ ኣይከልን አዩ። 

ኣብ ወሲባዊ ምርስሳን ዘሎ ሰብኣይ ክወትሮ ይኽእል። እቲ መትሎ ብደም ይንፋሕ። ሰብኡት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ንጉሆ ካብ ምድቃሶም ክትስኡ እንከለዉ መትሎኦም ተሪሩ ይረኽብዎ። እዚ ግን ወቲሩዎም ማለት ኣይኮነን።

ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ፣ እቲ ተሪር መትሎ ናብ ርሕሚ ወይ መሃንቱስ ይኣቱ (ምስላዅ)።

እቲ ከረጢት ፍረነብሲ ነቶም ፍረነብሲታት ሒዙ ይርከብ።

1. ካብ ውሽጦ ዝረኣይ ልስሉስ መትሎ፣ ሽንቲ ካብ ሰውነት ወዲተባዕታይ ከመይ ከምዝወጽእ ዘርኢ
2. ካብ ውሽጢ ዝረኣይ ዝወተረ መትሎ፣ ዕልቋቕ ከመይ ካብ ሰውነት ወዲተባዕታይ ከምዝወጽእ ዘርኢ።

ዓይነታት መትሎ

ግዝፈትን ቅርጺን መትሎ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ገለ ሰብኡት ገጂፍ መትሎ ኣለዎም፣ ካልኦት ድማ ንእሽቶይ መትሎ ኣለዎም። ናይ ዝወተረን ዘይወተረን መትሎ ግዝፈት እውን ካብ ሰብኣይ ናብ ሰብኣይ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ገለ ሰብኡት ጎላብ መትሎ ክህልዎን እንከሎ ካልኦት ድማ ቅኑዕ መትሎ ኣለዎም። ተግባራት ወይከኣ ጽቡቕ መትሎ ኣብ ስጋዊ ርክባዊ ርክብ ይኹን ካልኦት ስራሓት መትሎ ኣገዳሲ ኣይኮነን።  

እተፈላለዩ መትሎታት: ኣብነት 1
እተፈላለዩ መትሎታት: ኣብነት 2
እተፈላለዩ መትሎታት: ኣብነት 3
እተፈላለዩ መትሎታት: ኣብነት 4