ኣብ ውሽጢ ሰውነት ሰብኣይ ዝርከቡ ወሲባዊ ኣካላት (ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት) እዞም ዝስዕቡ እዮም:

ብተወሳኺ ሰብኣይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዱ ጎሎኣዊ ጭዋዳት ባይታ ኣለዉዎ። እዚኣቶም ወሲባዊ ኣካላት ኣይኮኑን ግን ንናይ ሰብኣይ ወሲባዊ ጥዕናን ወሲባዊ ፍሳሃን ኣገደስቲ ባእታታት እዮም። 

ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
እዞም ዝስዕቡ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት ሰብኡት እዮም: 1. ፍረነብሲታት፣ 2. ረቀቕቲ ትቦታት ፍረዘርኢ፣ 3. መንገድታት ፍረዘርኢ፣ 4. ፕሮስተይት፣ 5. ከረጢታት ዕልቋቕ።

ፍረነብሲታት

ሓደ ሰብኣይ 2 ፍረነብሲታት ኣለዉዎ: እቲ ሓደ ፍረነብሲ ካብቲ ካልኣይ ፍረንብሲ ዝነኣሰ ክኸውንን ዉሩብ ትሕት ኢሉ ክንጥልጠልን ተኽእሎ ኣሎ።

እቶም ፍረነብሲታት ኣብ ከረጢት ፍረንብሲ ይቕመጡ።
ንሳቶም ሚልዮናት ናይ ፍረ ዘርኢ ዋሃዮታት የመንጭዉ

ረቀቕቲ ትቦታት ፍረዘርኢ

ሓደ ሰብኣይ 2 ረቀቕቲ ትቦታት ፍረ ዘርኢ።
ንሓድሕዶም ምስ ሓደ ፍረንብሲ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

እቶም ናይ ፍረዘርኢ ዋሃዮታት ኣብቶም ረቀቕቲ ትቦታት ፍረ ዘርኢ ይእከቡን ይዓብዩን።

መንገድታት ፍረዘርኢ

ሓደ ሰብኣይ 2 መንገድታት ፍረዘርኢ ኣለዉዎ።
ንሓድሕዶም ምስ ሓደ ፍረንብሲ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ንዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ፍረንብሲ የበጻጽሑ።

ፕሮስተይት

እቲ ፕሮስቴት ኣብ ትሕቲ ከረጢት ሽንቲ ይርከብ። ግዝፈቱ ክንዲ ስትረውቤሪ እዩ ዝኸውን።

ፈሳሲ ናብቶም ኣብ ውሽጢ ፕሮስቴት ዝርከቡ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ይጽምበር። 

ከረጢታት ዕልቋቕ

ሓደ ሰብኣይ 2 ከረጢታት ዕልቋቕ ኣለዉዎ። እዚኦም ካብ ፕሮስቴት ቀጺሎም ይርከቡ።

ንሳቶም ናብቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ዝያዳ ፈሳሲ ይጽምብሩ። እቲ ናይ ዕልቋቕ ፈሳሲ ምስ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ብሓባር ተሓዊሱ ዕልቋቕ ይፈጥር