ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ሓላሓሊፉ ምኽንሻብ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ምኽንሻብ ኣብ ወዲተባዕታይ እውን ይፍጸም እዩ። ኣብ ወዲተባዕታይ ዝፍጸም ምኽንሻብ ንቆቢዕ መሸኒት ወዲተባዕታይ የወግድ።

ምትልታል ኣካል ርሕሚ ኣጓላትን ደቂኣነስትዮን ገለ ክፋላት ደጋዊ ኣካላት ርሕሚ ምቕያር ወይከኣ ምውጋድ የጠቓልል። ሓደሓደ ግዜ እቲ ጭንቅራን ገለ ኣካላት ከናፍር ርሕሚን ይውገዱ። ሓደሓደ ግዜ ድማ እቶም ከናፍር ርሕሚ ኣጣቢቕካ ይስፈዩ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ኣፍ ርሕሚ እውን ሰፊኻ ይዕጸው። ስለዚ እዩ እቲ "ምትልታል" ዝብል ቃል ተመሪጹ; ነቲ ተግባር ብትኽክል ዝገልጽ እዩ።

ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ገለ ሃገራት ኤሽያን ይካየድ እዩ። እተን ኣጓላት ኣናእሽተይ እንከለዋ ነቲ ተግባር ኣብቲ ቤተሰብ ወይ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝርከባ ኣንስቲ ይፍጽማኦ። ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ናይ ኣጓላት ወይ ኣንስቲ ኣካላት ርሕሚ ምትልታል ዝሳተፋ ሰባት ብማእሰርቲ ክቕጽዓ ይኽእላ እየን።

ውድብ ጥዕና ዓለም እተፈላለዩ ዓይነታት ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ከምዘለዉ ይገልጽ:

  • ከፊላዊ ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ምውጋድ ጭንውራ (ዓይነት 1)
  • ከፊላዊ ወይ ምሉእ ብምሉእ ምውጋድ ጭንቅራን ከናፍር ርሕሚን (ዓይነት 2)
  • ሽንቲን ደምን ካብ ሰውነት ዝውገደሉ ጸቢብ ነዃል ጥራይ ገዲፍካ፣ ከናፍር ርሕሚ ኣጣቢቕካ ምስፋይ (ዓይነት 3)
  • ኣብ ልዕሊ ቅሉዓት ኣካላት ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ኩሎም ዓይነት ጎዳእቲ ኢንተርቨንሽናት ምፍጻም፣ ንኣብነት፣ ምብሳዕ፣ ምቑራጽ፣ ምልሓጽ ከምኡድማ ምንዳድ።
ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ - ዓይነት 1: ጭንቅራ ይውገድ።
ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ - ዓይነት 2: ከናፍር ርሕሚ ይውገዱ።
ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ - ዓይነት 3: ከናፍር ሕምሲ ኣጣቢቕካ ይስፈዩ።

ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ንጥዕና ኣጓላትን ኣንስቲን ሓደገኛ እዩ።

እዞም ዝስዕቡ ቀጥታዊ ሳዕቤናት ምትልታል ኣካላት ርሕሚ ክኾኑ ይኽእሉ:

  • ከቢድ ቃንዛ
  • ረስኒ
  • ሞት ከስዕብ ዝኽእል ከቢድ መድመይቲ
  • ሃስያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣካላት ሰውነት
  • ከቢድ ፍርሒ፣ ስምባደ
  • ነድሪ ኣብ ኣካላት ርሕሚ ወይከኣ ዋላ ኣብ ሙሉእ ሰውነት
  • ቴታነስ
  • ን HIV ወይከኣ ካልኦት STIs ምቅላዕ
  • ቃንዛ ኣብ እዋን ምሻን

ንኣጓላት ኣብ እዋን ጉርዝና ዳሓር ከኣ ንዓቕመ ሂዋን ምስ በጽሓ ኣብ ህይወተን ዝፈጥረለን ሳዕቤናት:

ንምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ተቓሊዕኺ እንተኔርኪ ወይከኣ ኣብ ልዕሌኺ ከይፍጸም ስግኣት እንድሕር ኣለኪ፣ ኣብዚ ምኽሪን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ:

ድሕሪ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ምፍጻሙ ብሓዕባ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣብዚ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።