ኣብ ውሽጢ ሰውነት ጓልኣነስተይቲ ዝርከቡ ወሲባዊ ኣካላት (ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት) እዞም ዝስዕቡ እዮም:

ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
ናይ ደቂኣነስትዮ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዞም ዝስዕቡ እዮም: 1.ርሕሚ፣ 2. ክሳድ ማህጸን፣ 3. ማህጸን፣ 4. ሻምብቆ ማህጸን፣ 5. መጽገ።

ርሕሚ

ርሕሚ ኣፍ ደገ ዘለዎ ነዃል እዩ። እቲ ነዃል ናብ ኣፍ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) የምርሕ እዩ። ዕምቆት ርሕሚ ኣስታት 10 ሴንትሜትር እዩ።

ርሕሚ ንሓድሕዶም ተቐራሪቦም ዝቕመጡ ተመጠጥቲ ባይታታት ኣለዉዋ። እቶም ባይታታት ስጥምጥም ክብሉ (ነቲ ኣፍደገ የጽብቦ) ወይከኣ ፍትሕትሕ ክብሉ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት እታጓልኣነስተይቲ ካብ ውሽጢ ርሕሚ ደም ተፍስስ።

እቲ ግርዲ ድንግልና ኣብ መእተዊ ኣፍ ርሕሚ ይርከብ። እዚ ልስሉስ ናይ ስጋ ዓንኬል እዩ።

ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ መትሎ ናብ ርሕሚ ሸተት ኢሉ ይኣቱ (ምስላዅ)።

ቆልዑት ኣብ እዋን ሕርሲ በቲ ርሕሚ እዮም ዝወጹ።

ማህጸን

እቲ ማህጸን ብርእሱ ዝተተኽለ ፒር እዩ ዝመስል። እቲ ዝጸበበ ክፋል ፒር ከኣ ክሳድ ማህጸን ማለት እዩ።

እቲ ማህጸን ኣብ እዋን ጥንሲ ምስቲ ዕሸል እናዓበየ ይኸይድ። ድሕሪ ሕርሲ፣ እቲ ማህጸን ቀስብቐስ እናነኣሰ ናብ ዝነበሮ ይምለስ።

ክሳድ ማህጸን

እቲ ክሳድ ማህጸን ኣካል ናይቲ ናብ ርሕሚ ዝውጠም ማህጸን እዩ።

እቲ ኣብ መበገሲ ክሳድ ማህጸን ዝርከብ ናይ ማህጸን መንገዲ ኩሉ ግዜ ዝተዓጽወ አዩ። ናይቲ ዕሸል ርእሲ ነቲ ክሳድ ማህጸን ብውሽጢ ስለዝደፍኦ ኣብ እዋን ሕርሲ ይኽፈት።

ሻምብቆታት ማህጸን

ደቂኣነስትዮ ካብ 10 ክሳዕ 15 ሴንትሜትር ንውሓት ዘለዎ ክልተ ሻምብቆ ማህጸን ኣለወን፣ ሓደ በቲ ሓደ ገጽ ሓደ ድማ በቲ ካልእ ገጽ ማህጸን ማለት እዩ።

እቶም ሻምበቆታት ማህጸን ንዋሃዮታት እንቋቑሖ ካብ መጽገ ናብ ማህጸን የበጻጽሑ።

መጽገታት

እቲ መጽገ ናይታ ጓልኣነስተይቲ ዋሃዮታት እንቋቑሖ ይሕዝ። ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ክትውለድ እንከላ ኩሎም ዋሃዮታት እንቋቑሖ ሒዛ እያ ትፍጠር።

እቲ መጽገ ግዝፈቱ ክንዲ ስትረውበሪ ይኸውን።

እቶም መጽገታት ናይ ጓልኣነስተይቲ ሆርሞናት የመንጭዉ።

ንስጋዊ ርክብ ብቕዕቲ ኣብ ዝኾነት ወይ ኣብ ዝባጽሐት ጓልኣነስተይቲ፣ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኩሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ መጽገታት ይበጽሕ። እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ እንድሕር ዘይጸግዩ፣ ድሕሪ ኣስታት 14 ክሳዕ 16 መዓልቲ ወርሓዊ ጽግያት ይጅመር። ይኹን እምበር፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዋሃዮ እንቋቑሖ ክባጽሕ እውን ተኽእሎ ኣሎ።

እቶም ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ቆርበት፣ ጻዕቂ ኣዕጽምቲ ከምኡድማ ባህርያት እውን ጽልዋ የሕድሩ እዮም። ነቲ ሰውነት ከመይ ንጥንሲ ክዳለው ከምዘለዎ ይነግርዎ።

ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ እናኣረገት ክትከይድ እንከላ፣ ሰውነታ ዘመንጭዎ ናይ ጓልኣነስተይቲ ሆርሞናት አናጎደለ ይኸይድ። እዚ ንጽፈ-ጽግያት ይበሃል። ብዙሓት ደቂኣነስትዮ ጸጸኒሑ ጓሂ ይስመዐን፣ ኣብቲ ቀጻሊ ወርሒ ድማ መሊሰን ሕጉሳት ይኾና (ናይ ባህርያት ምቅይያር)። ብተወሳኺ ሃንደበታዊ ሙቐትን ምርሃጽን (ሃንደበታዊ ረስኒ) ከጋጥመን ይኽእል።