ኣጥቧት

ኣጥቧት ኣብ ቅድሚት ሰውነት ጓልኣነስተይቲ ዝርከቡ ክልተ ምርኡያት ነገራት እዮም።

ኣጥቧት

መቑለመትን ዙርያ መቑለመትን ኣብ ቅድሚት ክፋል እቲ ጡብ ይርከቡ:

ጡብ ስብሒ፣ ጽኪታት ጡብ ከምኡድማ መንገድታት ጸባ ዝሓዘ እዩ:

  • ጽኪታት ጡብ (3): ጸባ ጡብ ዘመንጭዉ ደቀቕቲ ኣካላት
  • መንገድታት ጸባ (4): ጸባ ናብ መቑለመት ዘውሕዙ ኣናእሽተይ መንገድታት።
ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ኣጥቧት እዩ።
ውሽጣዊ ክፋላት ጡብ እዞም ዝስዕቡ እዮም: 3. ጽኪታት ጡብ፣ 4. መትረብ ጸባ።

ተግባራት ጡብ

ኣጥቧት ክልተ ተግባራት የካይዱ:

  1. ድሕሪ ሕርሲ እተን አጥቧት ጸባ የመንጭዋ። ጸባ-ጡብ ንዕሸልኪ ጸባ ንምጥቧይ ክትጥቀምሉ ትኽእሊ
  2. እተን መቑለመታት ኣዝየን ስምዒታውያን እየን። ነቲ ጡብ ወይ ነተን መቑለመታት ምትንካፍ ወይ ምድራዝ ወሲባዊ ፍስሃ ክህብ ይኽእል። ኣብ ወሲባዊ ረስኒ እንድሕር በጺሕኪ፣ መቑለመታትኪ ክተራ እየን። ብተወሳኺ እተን መቑለመታት ብኻልእ ምኽንያት እውን ክተራ ይኽእላ እየን፣ ንኣብነት፣ ቁሪ እንድሕር ወቒዑኪ።

ዓይነታት ኣጥቧት

ናይ ሕድሕድ ጓልኣነስተይቲ ኣጥቧት ፍሉያት እዮም። ናኣሽቱ ወይ ገጀፍቲ ኣጥቧት፣ ከበብቲ ወይ ቁሩብ ቅርጺ እንቋቑሖ ዝመስሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ተግባራቶም ኣብ መልክዖም ዝተደረኸ ኣይኮነን።

እተፈላለዩ ኣጥቧት: ንኣሽቱን ኩድር ዝበሉ ኣጥቧት
እተፈላለዩ ኣጥቧት: ገጀፍቲ ኣጥቧት
እተፈላለዩ ኣጥቧት: ማእከላይ ግዝፈት ዘለዎ ፒር ዝመስል (ቁሩብ ቅርጺ እንቋቑሖ ዝመስል) ኣጥቧት
እተፈላለዩ ኣጥቧት: ማእከላይ ግዝፈት ዘለወን ከበብቲ ኣጥቧት

ኣጥቧት ኣብ እዋን ጥንሲ

ኣብ እዋን ጥንሲ ኣካላትኪ ነተን ኣጥቧን ቆልዓ ከጥቡያ የዳልወን።

እተን ኣጥቧት

  • እናገጀፋ ይኸዳ፣
  • ዝያዳ ተኣፈፍቲ እናኾና ይመጻ ሓላሓሊፉ ድማ የቐንዝዋ፣
  • ከምኡድማ ምናልባሽ ቁሩብ ጸባ ጡብ ምንዛዕ ክጅምራ ይኽእል።

ኣጥቧት ድሕሪ ሕርሲ

ኣጥቧትኪ ድሕሪ ሕርሲ ልግዐ ዝበሃል ፈሳሲ ክነዝዓ እየን። እዚ ብፍላይ ልዑል ትሕዝቶ ፕሮቲን ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ነቲ ቆልዓ ኣብ ናይ መጀመርያ ስዓተ ምሕቃቕ መግቡ ጠቓሚ እዩ። ህጻንኺ ናብ ጡብኪ ከተጸግዕዮ እንከለኺ፣ እቲ ህጻን ነቲ መቑለመት ክጦብዮ እዩ። እዚ ምምንጫው ጸባ የበራብር። ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ፣ እተን ኣጡባት ነቲ ህጻን ንምምጋብ ዝኣክል ጸባ ጡብ ከመንጭዋ እየን።

እቲ ህጻን ክጦብብ ዓቕሚ ዘይብሉ እንተኾይኑ፣ እቲ ጸባ ጡብ ንእሽቶይ መሕለቢ ተጠቒምካ ክሕለብ ይከኣል እዩ። እቲ ህጻን ሕጂ እውን ካብቲ ጸባ ጡብ ክምገብ ይኽእል እዩ።

ገለ ደቂኣነስትዮ እኹል ጸባ ጡብ የብለንን። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እቲ ህጻን ጡጦ ይምገብ።

እተን ኣጥቧት ምስተጦብያ፣ ቅርጺ ናይተን ኣጥቧት ቁሩብ ይልወጥ እዩ። ይልስልሳ፣ ሓደሓደ ግዜ ድማ ይንእሳ።