ናይ ጓልኣነስተይቲ ዋሃዮታት እንቋቑሖ ኣብ መጽገታት ይርከቡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ዝበጽሐ ዋሃዮ እንቋቑሖ ካብ ገሌኦም እቶም መጽገታት ይወጹ። እዚ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይበሃል።

ሓደ ካብቶም ሻምብቆታት ማህጸን ነቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ናብቲ ማህጸን የብጽሖ። ናይታ ጓልኣነስተይቲ ማህጸን ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ንገዛእርእሱ ንጥንሲ የዳሉ: ኣብቲ ማህጸን ዝርከብ ፈሳሲ ሽፋን ይሓፍስ። እቲ ፈሳሲ ሽፋን ነቲ እንቋቑሖ ከም ጉጂ (implantation) ኮይኑ የገልግሎ።

እቲ እንቋቑሖ እንድሕር ዘይጸግዩ፣ እታ ጓልኣነስተይቲ ኣይትጠንስን። ፈሳሲ ሽፋንን ደምን ካብ ማህጸን ናብ ርሕሚ ብኡ ገይሩ ድማ ካብ ሰውነት ወጺኡ ይፈስስ። እዚ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት (ጻግነ) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ክፍግዜ ወርሓዊ ጽግያት ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ይወስድ። እቲ ንውሓት ግዜ ካብ ጓልኣነስተይቲ ናብ ጓልኣነስተይቲ ይፈላለ። ድሕሪኡ፣ ሓድሽ ፈሳሲ ሽፋን ክዓቢ ይጅምር ካብኡ ድማ ሓድሽ ዑደት ይጅምር።

እቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ደም ብእተፈላለየ መንገዲ ምዕጋት ይከኣል እዩ። እዚኦም ሞዴስታምፑን ወይድማ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ኩባያ የጠቓልሉ።

ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
1. እቶም ዋሃዮታት እንቋቑሖ ኣብ መጽገ እዮም ዝኽዘኑ።
2. ዘኣጎለ እንቋቑሖ: ዝበጽሐ እንቋቑሖ ካብቲ መጽገ ይወጽእ።
3. እቲ ሻምብቆ ማህጸን ነቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ናብ ማህጸን የብጽሖ። እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ፈሳሲ ሽፋን እናሓፈሰ ይኸይድ።
4. ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት: ፈሳሲ ሽፋን ከምኡድማ ደም ብርሕሚ ጌሮም ይፈሱ።

መጀምርያ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት

ሓንቲ ጓል ኣብ እዋን ጉርዝና ብሓፈሻ ዕድመኣ ከባቢ ካብ 11 ክሳዕ 15 ዕድመ ምስገበረት ጸጋይት ትኸውን። ሓንቲ ጓል ጸጋይት ምስኮነት፣ ቆልዓ ክትወልድ ትኽእል እያ። ሓንቲ ጓል ካብ ናይ ፈለማ ዘኣጎለ እንቋቑሖኣ ኣትሒዛ ጸጋይት እያ። ቅድሚ መጀምርያ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያታ እውን ክትጠንስ ተኽእሎ ኣሎ። ዋላ ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝገበረቶ ስጋዊ ርክብ ክትጠንስ ትኽእል እያ።

ንጽፈ-ጽግያት: ጻግነ ንሓዋሩ ዘቋርጸሉ

ካብ ከባቢ 45 ዓመት ጀሚሩ ክሳዕ 55 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ፣ ደቂኣነስትዮ ክፍግዜ ወርሓዊ ጽግያት የቋርጻ። እቲ ዕድመ ካብ ጓልኣነስተይቲ ናብ ጓልኣነስተይቲ ይፈላለ። እቲ ናይ መወዳእታ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ዝተርኣየሉ ግዜ ንጽፈ-ጽግያት ይበሃል ድሕሪኡ፣ እታ ጓልኣነስተይቲ ክትጠንስ ኣይትኽእልን።

ንንጽፈ-ጽግያት ቁሩብ ኣዋርሕ ክተርፎ እንከሎ፣ እቲ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ዘይስሩዕ ይኸውን። እዚ ክፍለ ግዜ ናይ ቅልውላው ግዜ ይበሃል። እቲ ናይ ቅልውላው ግዜ ካብ ብዙሕ ኣዋርሕ ክሳዕ ብዙሕ ዓመታት ክቕጽል ይኽእል። ዋላ ኣብቲ ናይ ቅልውላው ግዜ፣ እታ ጓልኣነስተይቲ መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ዘይተጠቒማ ክትጠንስ ትኽእል እያ። ብዛዕባ እዚ ንዶክተርኪ ከተማኽሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብቲ ናይ ቅልውላው ግዜ፣ ኣብ ምምንጫው ሰበይታይ ሆርሞናት ለውጢ ይፍጠር። ገለ ደቂኣነስትዮ ኣብዚ ግዚ እዚ፣ ከም ሃንደበታዊ ረስኒ፣ ምልውዋጥ ባህርያት፣ ድቃስ ምስኣን፣ ምስትውዓል ናይ ምሃብ ሕጽረት፣ ሕማም ርእሲን ድኻምን ዝኣመሰሉ ምቾት ዝኸልኡ ስምዒታት የተኣናግዳ። እቲ ርሕማዊ ፈሳሲ ሽፋን ይነቅጽን ተኣፋፊ ይኸውንን።

ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ

ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እቲ ፈሳሲ ሽፋን ኣብ ማህጸን ከይፍጠር ይኽልክሉ፣ ወይድማ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይባጽሕ (ዘኣጎለ እንቋቑሖ) ይዓግቱ። እዚኦም ገለ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ከምኡድማ ሆርሞናዊ IUD የጠቓልሉ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፣ እታ ጓልኣነስተይቲ ደም ኣይፈሳን ወይከኣ ኣዝዩ ቁሩብ ደም እዩ ዝፈሳ።

ስጋዊ ርክብ

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ  ጽግያተን ስጋዊ ርክብ ክገብራ ደስ ይብለን ንካልኦት ግና ኣይብለንን እዩ። እንተድኣ  ድሌት ሃልዩኪ ወርሓዊ ጽግያት ከለኪ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ንዓኺ ይኹን ንመጻምድትኺ ዝኾነ ይኹን ናይ ጥዕና ሓደጋ ወይ ጸገማት ኣየምጽኣልኩምን እዩ።

ኣብ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ክትጠንሲ እንተዘይትደልዪ ኮንኪ፣ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ኣለኪ።