ግርዲ ድንግልና ኣብ ድሕሪ መእተዊ ርሕሚ ዝርከብ ልስሉስ ናይ ስጋ ዓንኬል እዩ። ነታ ርሕሚ ኣይዓጽዋን።

ኣእጋራ ዘርጊሓ ጥንቅልዒት ዝተገደመት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብቶም ብግልጺ ዝረኣዩ ወሲባዊ ኣካላት እዩ።
ዕምቆታዊ ዝርዝር ግርዲ ድንግልና ኣብ ውሽጢ ርሕሚ

ዓይነታት ግርዲ ድንግልና

ነፍሲ ወከፍ ድንግልና ብቕርጺን ግዝፈትን ዝተፈላለየ እዩ:

  • እቲ ቆርበት ረቂቕ ወይ ረጒድ ክኸውን ይኽእል።
  • እቲ ግርዲ ድንግልና ለማጽ፣ ሓርፋፍ ወይከኣ ጭምዳድ ክኸውን ይኽእል።
  • ጸቢብ ወይ ገፊሕ ክኸውን ይኽእል።
እተፈላለዩ ግርዲ ድንግልናታት: ጸቢብ ኣፍ ዘለዎ ግርዲ ድንግልና
እተፈላለዩ ግርዲ ድንግልናታት: ማእከላይ ስፍሓት ኣፍ ዘለዎ ግርዲ ድንግልና
እተፈላለዩ ግርዲ ድንግልናታት: ገፊሕ ኣፍ ዘለዎ ግርዲ ድንግልና

ስጋዊ ርክብ ንመጀመርያ ግዜ

ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከላ ክትደሚ ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ናይ መጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ምድማይ እውን ዘይምድማይ እውን ልሙድ ክስተት እዩ።

እቲ ግርዲ ድንግልና እንተተወጢጡ ወይ እንተተቐዲዱ ቁሩብ ሃስያ ስለዘለዎ፣ ገለ ደቂኣነስትዮ ቁሩብ ጠብታ ደም ከፍስሳ ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር፣ መብዛሕትአን ደቂኣነስትዮ እዚ ኣስተውዕላኦን።

ገለ ደቂኣነስትዮ ከም ሳዕቤን እቲ ኣብ ርሕሚ ዝፍጠር ቁስሊ ወይ ምብሳዕ ቁሩብ ደም ከፍስሳ ይኽእላ። እዚ እታ ጓልኣነስተይቲ ኣብ እኹል ረስኒን ወሲባዊ ዋዒን ብዘይምብጽሓ ዝተፈጥረ ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ እታ ሰበይቲ ብምጭናቓ እቶም ኣብ ዙርያ ርሕሚ ዝርከቡ ጭዋዳታት ካብ ጭንቀት ዝተላዕለ ዘጋጠመ እውን ክኸውን ይኽእል። 

እቲ ግርዲ ድንግልና ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ድንግል ምዃና መረጋጺ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ግርዲ ድንግልና ዋላ እታ ጓልኣነስተይቲ ድንግል እንከላ ክውጠጥ ወይ ክቕደድ ይኽእል እዩ።