ኣብ እዋን ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ደምኪ እትዕቅብሎም ከም ታምፑንሞዴስ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ኩባያን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ምርጫታት ኣለዉ።

ሞዴስ

ሞዴስ ኣብ ትሕቲ ብታንትኺ እትቕርቅርዮ ንእሽተይ ጨርቂ እዩ። ብውሽጠዋይ ገጹ ተጠቂዑ ክጸንሕ ዘኽእል መጣበቒ ኣለዎ። እተፈላለየ ግዝፈት፣ ቅርጺን ናይ ምምጣጥ ዓቕሚን ዘለዎም ሞዴስታት ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ሞዴስ ብቐጻሊ ኣብ ቆቁሩብ ሰዓታት ወይከኣ ኣብ ዝመልአሉ እዋን ክቕየር ኣለዎ።

ሞዴስ
ሞዴስ ኣብ ትሕቲ ብታንቲ
ዘገልገለ ሞዴስ ናብ ሳንኬሎ ጓሓፍ ይድርበ

ታምፑን

እቲ ታምፑን መጉተቲ ገመድ ዘለዎ ንእሽቶይ ጡጥ እዩ። እቲ ታምፑን ናብ ርሕሚ ይስጓዕ፣ እቲ ፈትሊ ድማ ካብ ርሕሚ ወጻኢ ይንጥልጠል። እተፈላለየ ግዝፈት ዘለዎም ታምፑናት ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ታምፑን ኩሉግዜ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ወይከኣ ምስመልአ ቀይርዮ። እቲ ታምፑን ንምውጋድ፣ በቲ ፈትሊ ቀስ ኣቢልኪ ሰሓብዮ።

ካብ ታምፑንን ሞዴስን ዝመረጽክዮ ተጠቐሚ። ግርዲ ድንግልና ከይብሳዕ እንድሕር ትፈርሒ ኮንኪ ሞዴስ ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኹ።

እቲ አታምፑን
ታምፑን ናብ ርሕማ ከተእቱ ከናፍር ርሕማ እትግፍጭጭ ሰበይቲ
ታምፑን እተእቱ ሰበይቲ
ታምፑን ኣብ ውሽጢ ርሕሚ
እታ ሰበይቲ ነቲ ታምፑን በቲ ገመድ ሒዛ ትስሕቦ ኣሎ
ዘገልገለ ታምፑን ናብ ናይ ጉሓፍ ሻንኬሎ ምድርባይ

ናይ ወርሓዊ ጽግያት ኩባያ

እቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ኩባያ ቁሩብ ንዋንጫ ይመስል። ካብ ሕክምናዊ ሲሊከን ወይ ነጉዒ እዩ ዝስራሕ። እቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ኩባያ ናብ ርሕሚ እዩ ዝኣቱ። እቲ ደም ይመጦ ዘይኮነስ ይእክቦ። ነቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ኩባያ፣ ጥርሑ ኣትርፍዮ፣ ለቕልቕዮ ካብኡ መሊስኪ ኣእትውዮ።

ኣብ እዋን ቃንዛ

ኣብ እዋን ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ከብድኺ ወይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ዝባንኪ ቃንዛ ክስመዓኪ ንቡር እዩ። እቶም ቃንዛታት ንዕለታዊ መነባብሮኺን ንጥፈታትኪን ዕንቅፋት ይኾኑኺ እንተልዮም:

  • ጸረ ቓንዛ ውሰዲ፤ ቀለልቲ ጸረ ቓንዛታት ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ካብ ቤት-መድሓኒት ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ፣
  • ሙቐት ወሃቢ ጉዝጓዝ ወይከኣ ውዕይ ማይ ዝሓዘ ናይ ፕላስቲክ ጥርሙዝ ኣብ ከብድኺ ወይከኣ ኣብ ዝባንኪ ግበሪ፣
  • ስፖርታዊ ንጥፈት ስርሒ ወይድማ ገለ ዘዛንዩ ንጥፈታት ስርሒ
  • ሆርሞናዊ መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ጀምሪ።

እዞም ምኽሪታት ረብሓ እንድሕር ዘይረኺብክሎም ምስ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ክትዘራረቢ ኣለኪ።

ስጋዊ ርክብ

ገለ ደቂኣነስትዮ ኣብ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት እናሃለዋ ስጋዊ ርክብ ክገብራ ይደልያገሌአን ድማ ኣይደልያን። ኣብ ክፍ ለግዜ ወርሓዊ ጽግያት ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ጉድኣት የብሉን።