ሽርሙጥና ስጋዊ ርክብ ሂብካ ሰልዲ ወይ ካልእ ረብሓታት ምቕባል ማለት እዩ። ስጋዊ ርክብ ዝሸጡ ሰባት ሓደሓደ ግዜ ነጋዶ ስጋዊ ርክብ ወይከኣ ሸራሙጥ ተባሂሎም ይጽውዑ።

አንስቲ ንሰብኡት ስጋዊ ርክብ ክሸጣ ኣዝዩ ልሙድ እዩ፣ ይኹን እምበር ሰብኡትን ትራንሴክሽወል ሰባትን እውን ስጋዊ ርክብ ክሸጡ ይኽእሉ እዮም። ስጋዊ ርክብ ዓደግቲ ድማ ሰብኡትን ኣንስትን ክኾኑ ይኽእሉ።

ክልቲኦም እቲ ስጋዊ ርክብ ዝሸይጥን እቲ ስጋዊ ርክብ ዝዕድግን ሰብ ናይ ባዕሎም ደረት ክሕልዉ ከምኡድማ ናይቲ ካልእ ሰብ ደረት ከኽብሩ ይግበኦም

ውሑስ ስጋዊ ርክብ

ክፍሊታዊ ስጋዊ ርክብ ብዝምልከት ውሑስ ስጋዊ ርክብ ንኹሎም ኣካላት ኣገዳሲ እዩ። ውሑስ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከለኻ ንገዛእርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ካብ ዘይተደልየ ጥንሲን ትከላኸል ኣለኻ ማለት እዩ።

ጥቆማ ንነጋዶ ስጋዊ ርክብ

ሸያጢት ስጋዊ ርክብ እንተኾንኪ ነዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት ጠመተ ክትህቢ ኣለኪ:

  • እቲ ዓሚል ኣቐዲሙ ክኸፍለኪ ሕተትዮ።
  • ንሕልናኺ እመኒ። ዘይትፈልጥዮም ዓማዊል ኣይተተኣናግዲ።
  • ናይ ገዛእርእስኺ ደረት ሓልዊ። ክትገብርዮ እትደልዪን ክትገብሪዮ ዘይትደልዪን ነገራት ብግልጺ ንገሪ። ዋላሓደ ሰብ ዘይደለኽዮ ነገር ከገድደኪ ኣይክእልን።
  • ውሑስ ከባቢ ፍጠሪ። ቀዋሚ ቦታ ይሃልኺ ሽዕኡ ናብ ገለ ክትከዲ እንተኾንኪ ኸኣ ናበይ ትኸዲ ከምዘለኺ ንሰብ ነጊርኪ ኪዲ።
  • ዝከኣል እንተኾይኑ: ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ስርሑ እናሻዑ ንሓድሕድኩም ተደላለዩ። ገለ ዘጨንቕ ነገር እንተተፈጢሩ ከተቋርጺ ተስማዕምዒ።

ገለ ጸገም ኣጋጢሙ ኢልኪ እንድሕር ሓሲብኪ እቲ ወሲባዊ ርክብ ኣብ ዝደለኽዮ ቅጽበት ከተቋርጽዮ መሰል ኣለኪ።

ስጋዊ ርክብ ትሸጢ እንተሊኺሞ ገለ ሕቶታት እንተልዮምኺ፣ ወይድማ ደገፍ ዘድልየኪ እንተኾይኑ፣ ንናይ ጥዕና ኣገልግሎታት ወይከኣ ንናይ መዛኑ ትካላት ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ

ሽርሙጥናን ሕጊን

ኣብ ኖርወይ ስጋዊ ርክብ ምሻጥ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን፣ ስጋዊ ርክብ ምዕዳግ ግን ብሕጊ ኽልኩል እዩ። ንዜጋታት ኖርወይን ኣብ ኖርወይ ንዝነብሩ ሰባትን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኬድካ ስጋዊ ርክብ ምዕዳግ እውን ብሕጊ ክልኩል እዩ

ንሽርሙጥና ዝምልከቱ ሕጊታትን ደንቢታትን ኣብ ኤውሮጳ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝተፈላለዩ እዮም። ኣስገዳድ ሽርሙጥናን ትራፊኪንግን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩላት እዮም።