ቅድመ ስጋዊ ርክብ ምርስሳን

ስጋዊ ርክብ መብዛሕትኡ ግዜ ንነፍሲ ወከፍካ ኣብቶም መራሰንቲ ኣካልት ሰውነት ብምልሕሓስ፣ ብምትሕቑቛፍ፣ ብምስዕዓም (ቅድመ ስጋዊ ርክብ ምርስሳን) እዩ ዝጅመር። ክልቲኦም መጻምድቲ ምስወተሮም፣ ወሲባዊ ርክብ ክጅምሩ ይደልዩ። 

ቅድመ ስጋዊ ርክብ ምርስሳን ኣብነት 1: እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣይ እናለሓሰቶ
ቅድመ ስጋዊ ርክብ ምርስሳን ኣብነት 2: ሰብኣይን ሰበይቲ እናተሓቛቐፉ
ቅድመ ስጋዊ ርክብ ምርስሳን ኣብነት 3: ሰብኣይን ሰበይቲን እናተሰዓዓሙ
ቅድመ ስጋዊ ርክብ ምርስሳን ኣብነት 4: እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ጡባ እናጦበዋ

ናይ ርሕሚ ስጋዊ ርክብ

ናይ ርሕሚ ስጋዊ ርክብ (ናይ ርሕሚ ወሲባዊ ርክብ) ዝወተረ መትሎ ናብ ርሕሚ ብምስላዅ ዝግበር ስጋዊ ርክብ እዩ። 

ናይ ርሕሚ ስጋዊ ርክብ ብብዙሕ ዝተፈላለየ መንገዲ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም:

  • እተፈላለዩ ኣንፈታት ኣገባብራ: ተገዲምካ፣ ኮፍ ኢልካ፣ ብደውካ ወይድማ ተጎምቢሕኻ ስጋዊ ርክብ ምግባር ይከኣል እዩ። ንኣብነት፣ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ክኸውን፣ እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ክትከውን ወይድማ እቲ ሰብኣይ ኣብ ድሕሪ እታ ሰበይቲ ክኸውን ይኽእል።
  • ምንቅስቓሳት እውን ብናህሩ፣ ሪምታን ጻዕቂን ይፈላለዩ።

ብተወሳኺ ነገራት ተጠቒምካ እውን ናይ ርሕሚ ስጋዊ ርክብ ምግባር ይከኣል እዩ፣ ከም ዲልዶ ወይ ቫይብሬተር (ናይ ስጋዊ ርክብ ባምቡላታት)። 

ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ

ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ማለት መረሳሰንቲ ኣካላት መጻምደትኻ ብኣፍካ፣ ከናፍርካን መልሓስካ ምንቕቓሕ ማለት እዩ።

  • ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ምስ ሰበይቲ: እቲ መጻምድቲ ንናይታ ሰበይቲ ወሲባዊ ኣካላት ይጦብዮም፣ ይመጦም፣ ይፋውዞም ወይን ቀስ ኣቢሉ ከም ንኽስ የብሎም። ብፍላይ እቲ ጭንቅራ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ። 
  • ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ምስ ሰብኣይ: እታ መጻምድቲ ኣፋ፣ መልሓሳን ከናፍራን ተጠቒማ ንመትሎን ንኸረጢት ፍረነብሲን ናይቲ ሰብኣይ ተነቓቕሕ። 

ብተወሳኺ ናይ መጻምድትኻ መቑለመታት ወይ መሃንቱስ እውን ብመልሓስካ ከተነቓቕሕ ትኽእል ኢኻ። 

እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ እናሃባ
እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣይ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ እናሃበቶ

ኣብ እዋን ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ንመጻምድትኻ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እተሕልፈሉ፣ ወይከኣ ካብኡ/ካብኣ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እትልከፈሉ ትሑት ስግኣተ-ሓደጋ ኣሎ:

ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ

ናይ መሃንቱስ ስጋዊ ርክብ (ናይ መሃንቱስ ወሲባዊ ርክብ) ዝወተረ መትሎ ናብ መሃንቱስ ብመስላዅ ዝግበር ስጋዊ ርክብ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ንናቱ/ታ መሃንቱስ ኣጻብዕቲ ከእትዉሉ ወይ ክልሕሱዎ ይኽእሉ እዮም።

ብናይ መሃንቱስ ወሲብ ኣቢልካ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናብ መጻምድትኻ ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ።

  • ኮንደም ተጠቐም። ናይ ርሕሚ ወይከኣ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንተደሊኹም ሓድሽ ኮንደም ተጠቐሙ።
  • ብዙሕ መለስለሲ ልኻይ ተጠቐሙ። ኣብ ማይ ዝተደረኸ ወይ ሲልከን መለስለሲ ተጠቐሙ። ዘይቲ ወይ ክሬም ኣይትጠቐሙ፣ ምኽንያቱ ኮንደም ክቐድድ ይኽእል እዩ። 

ሴጋ

ሴጋ ማለት ናይ ገዛእርእስኻ ሰውነት ብፍላይ ርሕሚጭንቅራመትሎ፣ መቑለመታት ወይ መሃንቱስ ብኢድካ ወይ ብናይ ወሲብ ባምቡላታት ጌርካ ብምርስሳን ንገዛእርእስኻ ወሲባዊ ፍስሃ ምሃብ ማለት እዩ። መጻምድቲ ናይ ሓድሕዶም ሰውነት ሴጋ ክገባበሩ ይኽእሉ እዮም።

ምስ መጻምድትኻ ምዝርራብ

ስጋዊ ርክብ ብብዙሕ መንገዲ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉሰብ ተመሳሳሊ ናይ ስጋዊ ርክብ ዓይነት ኣይኮነን ዝደሊ። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኻ ብምዝርራብ ኣብ ስምምዕ ብጽሑ።