ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ። 

ንስኻን መጻምድትኻ እንታይ ክትገብሩ ከምትደልዩ ብሓባር ትውስኑ። ወሲባዊ ርክብ ክትገብሩ የብልኩምን። ዝተዳለኹም ኮይኑ እንድሕር ዘይተሰምዒኩም፣ ክትገብሩ የብልኩምን። ስጋዊ ርክብ ብብዙሕ ዝተፈላለየ መንገዲ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም

ክትዛነዩ ፈትኑ። ግዜ ምውሳድ ክጠቅም ይኽእል እዩ።

ዋላሓደ ክህውኸኩም ከምዘይኽእል ርግጸኛታት ኩኑ። ዝያዳ ክትዛተዩ ኢኹም።

ክልቴኹም ብግቡእ ከምዝወተረኩም ርግጸኛታት ኩኑ። ንሓድሕድኩም ተኾሻሸሙ፣ ንኣብነት ናይ ሕድሕድኩም ሰውነት ብምፍትታሽ።

እንታይ ከምትፈትዉን እንታይ ከምዘይትፈትዉን ተዘራረቡ።

ቁሩብ የሕምም እዩ።

ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ ቁሩብ ከሕመኪ ይኽእል እዩ። እዚ ብዙሓት ምኽንያታት ክህልዉዎ ይኽእሉ: 

  • እታ ሰበይቲ እንተፈሪሓ ወይ ድሕነት እንድሕር ዘይተሰሚዑዋ ውትራና ይንኪ። ርሕማ ኣዝዩ ንቑጽ ኮይኑ ይተርፍ ናይ ጎሎኣዊ ባይታ ጭዋዳታት ይጨማደዱ። እቲ ርሕሚ ኣዝዩ ጸቢብ ይኸውን። ሽዕኡ ምስላዅ መትሎ ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ይኸውን። ክትዛነዪ ፈትኒ።
  • እቲ ቆቢዕ መትሎ ኣዝዩ ብምትራሩ ካብ ኣንፊ መትሎ ንላዕሊ ዘይክኣቱ ይኽእል እዩ። እዚ እቲ ቆቢዕ መትሎ ብቐጻሊ ካብ ኣንፊ መትሎ ብምስሓብ ከተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቃንዛ እንተቐጺሉ፣ ናብ ዶክተር ክትከይድ ኣለካ። ዝተኸንሸበ ሰብኣይ ቆቢዕ መትሎ የብሎምን።

ጥርዘውነ

ድሕሪ ሒደት ግዜ ክልቴኹም እትፈትዉዎ ነገር ክትረኽቡ ከምኡድማ መዓስን ከመይን ኣብ ጥርዘውነ ከምትበጽሑ ክትፈልጡ ኢኹም። ኩሉግዜ ኣብ ጥርዘውነ ክትበጽሑ ናይ ግድን ኣይኮነን። ክልቴኹም ብግቡእ ተፋለጡን ተመኩሮ ኣጥርዩን።