ብዛዕባ ወሲባዊ ጸገምካን ብዛዕባ ዝስመዓካ ስምዒትን ምስ መጻምድትኻ ተዘራረብ። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኩም እንታይ ከምትፈትዉን እንታይ ከምዘይትፈትዉን እውን ተዘራረቡ። 

ንገዛእርእስኻን ንመጻምድትኻን ቆላሕታ ሃብ። ግዜ መዲብኩም ብሓባር ገለ ደስ ዝብል ነገር ግበሩ። 

ዘቀራርብ ኩነታት ፍጠሩ።

እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ ፈትኑ። 

ናይ ገዛእርእስኻን ናይ መጻምድትኻን ወሲባዊ ቃሕታ ኣለዓዕል:  

  • ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኩም ከመይ ከተማሓይሹዎ ከምዘለኩም ምስ መጻመድትኻ ተዛተዩ; 
  • ብዛዕባ ወሲባዊ ሕልምታትኩም ኣዕልሉ; 
  • ስምዒት ዘለዓዕሉ ስእሊታት ወይ ሞቪ ረኣዩ፣ ስምዒት ዘለዓዕሉ ትረኻታት ኣንብቡ፣ ወዘተ።

ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ንስኻን መጻምድትኻን ብግቡእ ከምዝወተረኩም ርግጸኛታት ኩኑ። 

ፖርኖግራፊ ልዕሊ ዓቐን ትጥቀም ዘለኻ ኮይኑ እንድሕር ተሰሚዑካ፣ ባህሪኻ ክትቆጻጸር ፈትን፣ ንኣብነት:

  • ኣብ ሕድሕድ መዓልቲ ኢንተርኔት እትጥቀመሉ ንውሓት ግዜ ብምድራት;
  • ካልኦት ዘሕጉስ ስምዒት ዝፈጥሩልካ ንጥፈታት ምግባር: ስፖርት፣ መፍቶታት፣ ወዘተ።

ምስ መጻምድትኻ ኮንካ ፍታሕ ክትረኽበሉ እንተዘይክኢልካ፣ ወይከኣ እቲ ጸገም እንተቐጺሉ፣ ንናይ ጥዕና ሞያዊ ኣዘራርብ