ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ሰብኣይን ሰበይቲን ብዝተፈላለየ ናይ ወሲባዊ ምርስሳን ምዕራፋት ክሓልፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝለዓለ ናይ ወሲባዊ ምርስሳን ምዕራፍ ጥርዘውነ ይበሃል። 

ምፍሳስ ዕልቋቕ

ሰብኡት ኣብ ጥርዘውነ ክበጽሑ እንከለዉ ዕልቋቕ የፍስሱ። ገለ ኣንስቲ እውን ኣብ እዋን ጥርዘውነ ምስ ምፍሳስ ዕልቋቕ ዝመሳሰል ቀጢን ናይ ርሕሚ ፈሳሲ ይፍንዋ። 

ናይ ጓልኣነስተይቲ ጥርዘውነ

 ኣንስቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ጥርዘውነ ክበጽሓ ይኽእላ እየን። ንኣብነት ብ:

ኣንስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥርዘውነ ንኽበጽሓ መትሎ ናብ ርሕሚ ካብ ምስላዅ ብተወሳኺ ብዙሕ ነገር የድልየን። እታ ሰበይቲን መጻምድታን ነቲ ጭንቅራ ወይ ካልእ ክፍሊታት ሰውነት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከረሳስኑ ይኽእሉ እዮም። 

ጽቡቕ ስጋዊ ርክብ

ስጋዊ ርክብ ብዝገበርኪ ቁጽሪ ኩሉግዜ ኣብ ጥርዘውነ ክትበጽሒ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ኩሉግዜ ኣብ ጥርዘውነ ኣይበጽሑን። እዚ ንቡር እዩ። ንስኻን መጻምድትኻ ብዘይ ጥርዘውነ ኣዝዩ ጽቡቕ ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። 

ብሓንሳብ ብዙሕ ጥርዘውነታት

ኣብ ተቐራራቢ ቅጽበታት ኣብ ብዙሕ ጥርዘውነታት ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም: እዚ ግን ኩሉግዜ ዘጋጥም ኣይኮነን። 

  • ገለ ኣንስቲ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ጥርዘውነ ከስተማቕራ ይኽእላ።
  • ሰብኡት ኣብ መንጎ ጥርዘውነታት ዝያዳ ነዊሕ ግዜ የድልዮም። ኣብ ካልእ ጥርዘውነ ንምብጻሕ ቁሩብ ደቓይቕ ወይ ቁሩብ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ጥርዘውነ ዘስተማቕር እንተኾይኑ፣ ኩሉግዜ ዕልቋቕ ኣየፍስስን።

እቶም መጻምድቲ ብሓንሳብ ኣብ ጥርዘውነ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም (ብሓደ)። ሰውነትካ ምቁጽጻርን ግቡእ ግዜ ምጽባይን ከቢድ ስለዝኸውን ጸገም ይፈጥር። ስለዚ ብተደጋጋሚ ኣየጋጥምን። ብሓንሳብ ኣብ ጥርዘውነ ንምብጻሕ ጠመተ ኣይትግበር፣ ምኽንያቱ ብስጋዊ ርክብ ምዝናይኩም ከበላሽወልኩም ይኽእል እዩ።