ጽቡቕ ስጋዊ ርክብ እንታይ ሕማቕ ስጋዊ ርክብ ድማ እንታይ ከምዝኾነ ዝገልጽ ንጹር መግለጺ የለን። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለይ እዩ። 

በብኽንደይ ግዜ፣ ንኽንደይ ንውሓት ግዜ ዝኣክል፣ ኣበይን ከመይን ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ ከምዘለኩም ምስ መጻምድትኹም ተዛተዩሉ። ብሓባር ኣብቲ ክልቲኹም እትሕጎሱሉ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ንናይ ጥዕና ሞያዊ ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም

ብተወሳኺ ብዛዕባ ደረታትኩም እውን ተዘራረቡ። ኩሉነገር ክትገብር ወይ ክትፈቱ ናይ ግድን ኣይኮነን። 

ናይ ስጋዊ ርክብ ድግግም ኣብ ከይዲ ርክብ እናተቐየረ እዩ ዝኸይድ። ኣብ ገለ እዋናት፣ ካብ ካልእ ግዜታት ዝበለጸ ብተደጋጋሚ ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ንቡር እዩ።

ኩሉሰብ ዝተፈላለየ ሊብዶ እዩ ዘለዎ። ሊብዶኻ ከከም ባህርያትካን፣ ከባቢኻን ወሲባዊ ምርስሳንካን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ።