ድንግልና ክንብል እንከለና ብዛዕባ ወሲባዊ ርክብ ዘይጀመረ ሰብ ንዛረብ ኣለና ማለት እዩ። ካብ ወሲባዊ ርክብ ብተወሳኺ ካልኦት ብዙሓት ዓይነታት ስጋዊ ርክብ ኣለዉ። 

ክልቲኦም ኣወዳትን (ሰብኡት) ኣዋልድን (ኣንስቲ) ደናግል ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ግርዲ ድንግልና: መረጋገጺ ድንግልና ኣይኮነን

ሓደ ሰብ ድንግል ከምዝኾነ ክትርኢ ወይ ክስመዓካ ኣይክእልን። ዋላ ዶክተር እውን ከምኡ ክገብር ኣይክእልን። እዚ ማለት ዶክተር ሓደሰብ ወሲባዊ ርክብ ምጅማሩን ዘይምጅማሩን ክምርምር ኣይክእልን ማለት እዩ።

ናይ ግርዲ ድንግልና መርመራ እታ ሰበይቲ ወሲባዊ ርክብ ምጅማራን ዘይምጅማራን መረጋገጺ ክኸውን ኣይክእልን:

  • እቲ ግርዲ ድንግልና ንርሕሚ ዝዓጹ ሜምብሬን ኣይኮነን። ስለዚ፣ ሓንቲ ሰበይቲ ንመጀመርያ ግዜ ወሲባዊ ርክብ ክትገብር እንከላ ዝስበር ወይ ዝቕደድ ነገር የለን ማለት እዩ። 
  • ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ንመጀመርያ ግዜ ወሲባዊ ርክብ ክትገብር እንከላ ክትደሚ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብተወሳኺ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ምድማይ ኣብ ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ዘይምድማይ እውን ልሙድ እዩ። ስለዚ፣ ናይ ሓሶት ግርዲ ድንግልና ንምፍጣር መጥባሕቲ ምግባር ትርጉም የብሉን። 
ኣእጋራ ዘርጊሓ ጥንቅልዒት ዝተገደመት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብቶም ብግልጺ ዝረኣዩ ወሲባዊ ኣካላት እዩ።
ዕምቆታዊ ዝርዝር ግርዲ ድንግልና ኣብ ውሽጢ ርሕሚ: ልምሉም ከፈፍ ኣካሊት እቲ ግርዲ ድንግልና ንርሕሚ ዝዓጹ ሜምብሬን ኣይኮነን።
ኣብ እዋን ወሲባዊ ርክብ ዘይቕደድ ግፍሕ ዝበለ ግርዲ ድንግልና ዘርኢ ዝርዝር። እዚ እዩ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ዝኽሰት።