ትራይኮሞናሲስ
ትራይኮሞናሲስ ኣብ ናይ ሰብኣይ መትረብ ሽንቲ ኣብ ሰበይቲ ድማ ኣብ መትረብ ሽቲን ርሕሚን ዝፍጠር ብወሲብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰብኡት ምልክት ኣይፈጥርን፣ ይኹን እምበር ገለ ሰብኡት ግን ኣብ መትሎኦም የሕኽኾም ወይከኣ በላዕላዕ ይብሎም። ኣንስቲ ድማ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ናይ ርሕሚ ፈሳሲ ይህልወን። ወሲብ ክትገብር እንከለኻ ኮንደም ምጥቃም ረኽሲ ይከላኽል። እቲ ረኽሲ ብባልዕ (ኣዝዩ ደቂቕ እንስሳ) ዝመጽእ ክኸውን እንከሎ ብጸረነፍሳት ክፍወስ ይኽእል እዩ።