መን ምስ መን ስጋዊ ርክብ ክገብር ይኽእልን ካብ ክንደይ ዕድመ ይጅምርን?

ህጻውንቲን ኣባጽሕን ንምክልኻል፣ ኣናእሽቱ ሰባት ስጋዊ ርክብ ክጅምሩሉ ዝኽእሉ ሕጋዊ ዕድመ ዝቆጻጸሩ ሕጊታት ኣለዉ። 

ብዛዕባ ፍቓድ መውሃቢ ዕድመ 4 ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣለዉ:

  • ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ዝኾኑ ህጻውንቲ
  • ኣብ መንጎ 14 ከመኡድማ 16 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ናእሽቱ ሰባት
  • ኣብ መንጎ 16 ከምኡድማ 18 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ናእሽቱ ሰባት
  • ዕድሚኦም 18 ዓመትን ዝያዳን ዝኾኑ ዕድመኣከላት

ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ዝኾኑ ህጻውንቲ

ኣብ ኖርወይ፣ ትሕቲ 14 ዓመት ምስ ዝዕድሚኦም ህጻውንቲ ዝግበር ስጋዊ ርክብ ዓመጽ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ። ምስ ህጻውንቲ ወሲብ ዝገብሩ፣ ወይከኣ እቶም ህጻውንቲ ምስገዛእርእሶም ወይ ምስ ካልኦት ወሲባዊ ተግባራት ክፍጽሙ ዝገብሩ ዕድመኣከል ሰባት ብማእሰርቲ ይቕጽዑ። እዚ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ ኣባጽሕ እውን ይምልከት።

ክልተ ህጻውንቲ ንሓድሕዶም ስጋዊ ርክብ እንተተጋቢሮም፣ ኣይክቕጽዑን እዮም። ብመሰረት ሕጊ ኖርወይ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ንደረጃ ገበናዊ ግቡእ ዘይበጽሑ እዮም።

ኣብ መንጎ 14 ከምኡድማ 16 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ናእሽቱ ቆልዑት።

ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ትሕቲ 16 ዓመት ምስ ዝዕድሚኦም ህጻውንቲ ወሲባዊ ርክብ ክገብሩ ሕጊ ኣይፈቅድን ኣብ መንጎ 14 ከምኡድማ 16 ዓመት ዕድመ ምስ ዝርከቡ ቆልዑት ስጋዊ ርክብ ዝገበሩ፣ ወይከኣ እቶም ህጻውንቲ ምስገዛእርእሶም ወይ ምስ ካልኦት ወሲባዊ ተግባራት ክፍጽሙ ዝገብሩ ዕድመኣከል ሰባት ብማእሰርቲ ይቕጽዑ። እዚ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ ኣባጽሕ እውን ይምልከት እዩ፣ ይኹን እምበር፣ ክልቲኦም እቶም ወሲብ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ከምኡድማ/ወይድማ ናይ ብስለት ደረጃ ዝርከቡ እንተኾይኖም ቅጽዓት ክስረዘሎም ይኽእል እዩ። 

ክልተ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ብስምምዕ ወሲባዊ ርክብ እንተጀሚሮም፣ ኣይክቕጽዑን እዮም።

ኣብ መንጎ 16 ዓመትን 18 ዓመትን ዕድመ ዝርከቡ ኣባጽሕ

ካብ 16 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ምስ መንን መዓስን ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ከምዘለዎም ባዕሎም ክውስኑ ይፍቀደሎም እዩ። ምስ ህጻውንቲ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ኣይፍቀደሉን።

እቶም ዓበይቲ ሰባት ነቶም ቆልዑት ናይ እንጀራ ወለዶም፣ ወይከኣ ሞግዚታቶም ወይከኣ ብኻልእ ኣገባብ ሓብሓብቶም እንተኾይኖም፣ ምስቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ወሲባዊ ርክብ ክገብሩ ብሕጊ ኣይፍቀደሎምን።  

ዕድሚኦም 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝገበሩ ዕድመኣከላት

ዕድሚኦም 18 ዓመት ወይ ዝያዳ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ኖርወይ ዕድመኣከል ተጌሮም ይቑጸሩ ስለዚ ብስምምዕ መሰረት ምስ ካልኦት ዕድመኣከላት ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፣ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣብ መንጎ ወለዲን ደቆምን ስጋዊ ርክብ ክግበር ሕጊ ኣይፈቅድን።