ሄፓቲቲስ C
ሄፓቲተስ C ብስጋዊ ርክብ፡ ብደም ንኣብነት ብመላጸ፡ ናይ ስኒ ብሩሽ፡ ስሪንጋ ብሓባር ምጥቃም ወይ ድማ ክፉት ቁስሊ ምስ ዘለዎ መጻምድቲ ብዘይ መከላኸሊ ስጋዊ ርክብ ብምፍጻም ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ሄፓቲተስ C ናይ ጸላም ከብዲ ረኽሲ የስዕብ። መብዛሕትኦም ሰባት ምስተለኸፉ ምልክታት ኣይረኣዮምን እዩ። ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ኮንደም ምጥቃም ስግኣተ-ሓደጋ ናይቲ ረኽሲ ይንክየልካ። ሄፓቲተስ C ብቫይረስ ዝመጽእ እዩ። ንሄፓቲተስ C ዝከላኸል ክታበት የለን። እቲ ረኽሲ ብመድሃኒት ክሕከም ይኽእል እዩ። እቲ ሕክምና ድማ ብነጻ ዝወሃብ እዩ። እቶም ዝበዝሑ ነቲ መድሃኒት ብግቡእ እንድሕር ወሲዶሞ ክጥዕዩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ክሓውዩ ዘይክእሉ ድማ ኣብ ጸላም ከብዲ ሕማም ከይመጾም ዝከለኸለሎም ወይ ነቲ ሕማም ዘደንጉየሎም መድሃኒት ይወሃቡ እዮም።