ተፍጥሮኣዊ ሕርሲ

ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ ይቐርብ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • ቁሩብ ደም ይፈሰኪ;
  • ፈሳሲ መኽደን ይፈሰኪ;
  • ማይኪ ተውሻሕ ይብል (ኣሚኖቲክ ፈሳሲ ካብ ኣካላትኪ ይፈስስ);
  • ኣብ ውሽጢ 1 ሰዓት ቀጸልቲ ዝኾኑ ምጭብባጣት፣ ካብ 5 ክሳዕ 10 ደቓይቕ እናጸንሐ ዝደጋገም ምጭብባጥ;

ሓደ ወይ ዝያዳ ካብዞም ምልክታት እንድሕር ተራእዮምኺ ንዶክተርኪ ወይ መሕረሲትኪ ኣዘራርቢ ወይከኣ ናብ ሆስፒታል ኪዲ።

ሕርሲ ከምዝቐረበ ዘርእዩ ምልክታት: ቁሩብ ደም ምፍሳስ
ሕርሲ ከምዝቐረበ ዘርእዩ ምልክታት: ምፍሳስ ከዳኒ ፈሳሲ
ሕርሲ ከምዝቐረበ ዘርእዩ ምልክታት: ናይ ማይ ተውሻሕታ
ሕርሲ ከምዝቐረበ ዘርእዩ ምልክታት: ኣብ ውሽጢ 1 ሰዓት ቀጸልቲ ዝኾኑ ምጭብባጣት፣ ካብ 5 ክሳዕ 10 ደቓይቕ እናጸንሐ ዝደጋገም ምጭብባጥ

መጥባሕታዊ ሕርሲ: ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ

ኣብ መደብ ዝተታሕዘሉ መጥባሕታዊ ሕርሲ (ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ): እትሓርስሉ ዕለት መዓስ ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ዶክተር ይውስኖ።