ተፍጥሮኣዊ ሕርሲ
ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ ይቐርብ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:
- ቁሩብ ደም ይፈሰኪ;
- ፈሳሲ መኽደን ይፈሰኪ;
- ማይኪ ተውሻሕ ይብል (ኣሚኖቲክ ፈሳሲ ካብ ኣካላትኪ ይፈስስ);
- ኣብ ውሽጢ 1 ሰዓት ቀጸልቲ ዝኾኑ ምጭብባጣት፣ ካብ 5 ክሳዕ 10 ደቓይቕ እናጸንሐ ዝደጋገም ምጭብባጥ;
ሓደ ወይ ዝያዳ ካብዞም ምልክታት እንድሕር ተራእዮምኺ ንዶክተርኪ ወይ መሕረሲትኪ ኣዘራርቢ ወይከኣ ናብ ሆስፒታል ኪዲ።
መጥባሕታዊ ሕርሲ: ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ
ኣብ መደብ ዝተታሕዘሉ መጥባሕታዊ ሕርሲ (ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ): እትሓርስሉ ዕለት መዓስ ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ዶክተር ይውስኖ።