ድሕሪ ሕርሲ እታ ኣደ ኣብቲ ክሊኒክን ኣብ ገዝኣን፣ ዳሓር ከኣ ብመሕረሲት ወይ ብዶክተር ክንክን ክግበረላ እዩ።

ኣብተን ናይ መጀመርያ ቁሩብ ሰዓታት፣ እቲ ዶክተር ወይ መሕረሲት ብቐጻሊ ህርመት ልብኺ፣ መጠን ሙቐትኪ፣ ጸቕጢ ደምኪን ማህጸንኪን ክምርምሩኺ እዮም። ንሱ / ንሳ ማዕረኽንደይ ብርሕሚኺ ትደምዪ ከምዘለኺ እውን ክምርምሩ እዮም።

ድሕሪ ሕርሲ ሰውነት እንታይ ይኸውን?

  • እቲ ማህጸን ቀስ እናበለ ንገዛእርእሱ መሊሱ ይሃንጽ። ይሸማረርን መሊሱ ንእሽተይ ይኸውንን። እዞም ሕማም ዳሓር ተባሂሎም እውን ዝፍለጡ ምሽምራራት፣ ደስ ዘይብሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ካብ ሽዱሽተ ክሳዕ ሸሞንተ ሰሙን ምስገበረ፣ እቲ ማህጸን ናብ ንቡር ቅርጹ ይምለስ።
  • ኣብ መንጎ ርሕሚኺን መሃንቱስኪን ኣብ ዘሎ ኣካሊት (ፈንዶት) ዝተበስዐ ወይ ዝተቐደ ነገር እንተልዩ፣ እቲ ስፋይ ኮፍ ክትብሊ እንከለኺ ምቾት ዘይክህበኪ ይኽእል እዩ። እቶም ስፋያት ጽሬቶም ዝተሓለወ መታን ክኸውን ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ማይ ለቕልቒዮም። እዚ ነቲ ቃንዛ እውን የህድኦ እዩ።
  • እኹል ዕረፍቲ ውሰዲ።
  • ድሕሪ ሕርሲ ክሳዕ ሸሞንተ ሰሙን ርሕሚኺ ክደሚ ይኽእል እዩ። መጀመርያ እቲ ደም ብሩህ ቀይሕ እዩ። ካብኡ ናብ ቡናዊ ፈሳሲ ይልወጥ። ዳሓር ብጫ ወይ ጻዕዳ ክኸውን ይኽእል እዩ። መጠን ደም አናጎደለ ክመጽእ እዩ። እቶም ሞዴስ ብቐጻሊ ቀያይርዮም። ታምፑን ኣይትጠቐሚ።
  • ካብ ትሓርሲ ኣስታት ሽድሽተ ወርሒ ምስገበርኪ መጀምርያ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ክትጅምሪ ኢኺ። ቆልዓኺ ጸባ ጡብ እንድሕር ተጥቡውዮ ኸኣ ካብዚ ዝነውሕ ግዜ እውን ክወስደልኪ ይኽእል።
  • ኣብ እዋን ጥንሲ እቶም ናይ ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ግድግዳ ይውጠጡ። ድሕሪ ሕርሲ፣ እቶም ጭዋዳታት መሊሶም ተመጠጥቲን ተረርቲን ክኾኑ ክለማመዱ ኣለዎም። ካብ ሓኪምኪ ወይ መሕረሲትኪ ማዕዳ ሕተቲ

ሓገዝ ካብ መሕረሲት

ድሕሪ ሕርሲ፣ እቲ ኣብ ከባቢኺ ዝርከብ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ክትትል ክገብረልኪ እዩ። እታ መሕረሲት ከምኡድማ/ወይድማ ናይ ጥዕና ሕብረተሰብ ነርስ ናብ ገዛኺ መጺኦም ንዓኺን ንቆልዓኺን ይምርምሩኺ። ንሱ ወይ ንሳ ንጸገማትኪ ሓገዝ ይህቡኺ ከምኡድማ ንሕቶታትኪ መልሲ ይህቡኺ። እቲ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ክትጅምሪ እንተደሊኺ ነታ መሕረሲት ወይ ንናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ኣዘራርቢ።